ሜትሪክ ቶን መድሓኒትን ብ115 ተሸከርከርቲ ልዕሊ 4 ሺሕን 254 ሜትሪክ ቶን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ኣቑfhት ንተጎዳእቲ ከምዝተኸፋፈለ ኣብሪሆም፡፡
3ይ ዓመት ቑፅሪ 04 22 ህዳር 2015 ዓ.ም ሓሙስ
‹‹እቲ ስምምዕነት ሰላም ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ተግባራዊ
ክኸውን ይግባእ››
ወይዘሪት ሓዳስ ኪዱ
ብር 10.00
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ኣዲስ ኣበባ፡- እቲ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ተግባራዊ ክኸውን ይግባእ ክብላ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣማኻሪት ፅንዓትን ምርምርን ከንቲባ ወይዘሪት ሓዳስ ኪዱ ገሊፀን፡፡
ወይዘሪት ሓዳስ ኪዱ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ከምዝገለፅኦ ፣ መንእሰይ ትግራይ ተማሂሩ ተመራሚሩ ዕብየት ንከምፅእ ከምኡ 'ውን ኣብ ኢትዮጵያ ኢኮኖምያዊ ዕብየት ናይ ባዕሉ ኣሰር ከቕምጥ እቲ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ክኸውን ኣለዎ፡፡ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መሬት ክወርድ ይግባኣ ፡፡
ኣብ ሓንቲ ሃገር እንድሕር ሰላም ዘይሃልዩ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራውን ፖለቲካውን
ቅልውላው ብምፍጣር ሃገር ንድሕሪት 'ዩ ዝጎትት ዝበላ ወይዘሪት ሓዳስ ፣ ብፍላይ ድማ እቲ ሕገ መንግስቲ ዘተኮረ ስምምዕነት ተፈፃሚ ንክኸውንን ተቐባልነት ንክህልዎን ህዝቢ ትግራይ ዘርኣዮ ድልየት ክምስገን ይግባእ፣ ከምኡ 'ውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ወገናውነቱ ንህዝቢ ትግራይ ብምርኣዩ ዝድነቕ 'ዩ፣ እዚ መፂኡ ዘሎ ሰላም ሙሉእነት ንክህልዎ ናይ ኹሉ ምትሕብባር የድሊ ክብላ ገሊፀን፡፡
ህዝቢ ትግራይ ኣብ ክንዲ ብረት ትራክተር ብምቕራብ ኢኮኖሚኡ ዘስፈሐሉ ዕድል ምእላሽ 'ምበር፣ ህዝቢ ትግራይ ጠመንጃ ተሓንጊጡ ክነብር የብሉን ክብላ ገሊፀን፡፡
ህዝቢ ትግራይ ካብ ኹናት ብምውፃእ እፎይ ክብል መገዲ ክፍጠር ኣለዎ እዚ ድማ እቲ ስምምዕነት ናብ መሬት ምውራድ 'ዩ ዝበላ ወይዘሪት ሓዳስ ፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣምራቲ ዝባሃል ሓይሊ ኣድላይ ንዘይኾነ ኹናት ዋጋ እናኸፈለ 'ዩ መፂኡ ኢለን፡፡
‹‹ነቲ ስምምዕነት ሰላም ዝቃወሙ ፅንፈኛታት ዕላምኦም ክኸሽፍን ውዲቶም ክቃላዕን ይግባእ››
- ኣይተ ሲራክ ኣማረ (ወዲ ሻምበል)
ሄርሞን ፍቃዱ
ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ንኹሎም ዜጋታት ተጠቀምቲ ዝገብር ስለ ዝኾነ ንኽትግበር ናይ ኹሉ ርብርብ ዝደልይ ‘ዩ ክብሉ ኣባል ነባር መከላኸሊ ሰራዊት
‹‹ነቲ ስምምዕነት ...6
እቲ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ
ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 45 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኾነ ሰብኣዊ ሓገዝ ተኸፋፊሉ
• 839 ሜትሪክ ቶን መድሓኒትን 413 ሽሕ 552 ሊትሮ ነዳዲ'ውን ተላኢኹ
ኣብርሃ ሓጎስ
ኣዲስ ኣበባ:- ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 45 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ሰብኣዊ ሓገዛትን ከምኡ 'ውን 839 ሜትሪክ ቶን መድሓኒት ከምዝተኸፋፈለ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጡ።
ፎቶ ሳሙኤል ተስፋዬ
ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኣይተ ደበበ ዘውዴ ከምዝገለፁዎ፣ ኣብቲ ክልል ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ዜጋታት ዝግበር ዘይተገደበ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ተጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ፡፡
ብመሰረት እዚ ክሳብ 20 ሕዳር 2015 ዓ.ም ኣብቲ ክልል ብ1 ሺሕን 17 ተሸከርከርቲ 40 ሺሕን 63 ሜትሪክ ቶን ሰብኣዊ ሓገዝ ምግቢን ሃነፅቲ ምግቢን ከምዝተኸፋፈለ ተዛሪቦም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ብ25 ተሸከርከርቲ 839 ነጥቢ 76
ንክኾን ህዝቢ እናተፀበየ ምዃኑ ተገሊፁ
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ኣዲስ ኣበባ፡- እቲ ስምምዕነት ኣብ ባይታ ወሪዱ ተግባራዊ ንክኾን ህዝቢ እናተፀበየ ‘ዩ ክብሉ ሓላፊ ዘፈር ፖለቲካ ጨንፈር ብልፅግና ትግራይ ኣይተ ጎይቶኦም በርሀ ገሊፆም፡፡
ኣይተ ጎይቶኦም ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበሮም
እቲ ስምምዕነት ...7
ሜትሪክ ቶን መድሓኒትን ብ115 ተሸከርከርቲ ልዕሊ 4 ሺሕን 254 ሜትሪክ ቶን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ኣቑfhት ንተጎዳእቲ ከምዝተኸፋፈለ ኣብሪሆም፡፡
413 ሺሕን 552 ቲትሮ ነዳዲ ዝፀዓና ተሸከርከርቲ ናብ ትግራይ ከምዝተለኣኻ እውን እቶም ዳይሬክተር ተዛሪቦም፡፡
ካብ 20 ጥቅምቲ 2015ዓ.ም ክሳብ 20ሕዳር 2015ዓ.ም ብኣብዓላ፣ጎንደር-ሽረን ኮምቦልቻ-ቆቦ- ኣላማጣ ኮርደራት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ናብ ትግራይ ዝኣተዋ ተሸከርከርቲ 1ሽሕን 168 ከምዝኾና ፀብፃብ ኢቢሲ የመልክት፡፡
ከም ፀብፃብ ኢቢሲ ኣብቲ ክልል ዝተዋፈሩ 16 መዳርግቲ ኣካላት ንስራሕ መካየዲ ዝኸውን ብር
148ነጥቢ7 ሚሊዮን ብጥረ ገንዘብ ድጋፍ ከምተገበረ’ውን ኣይተ ደበበ ሓቢሮም፡፡
መንግስቲ ናይ ሰላም ስምምዕነት መሰረት ብምግባር ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ብዘይገደብ ተበፃሒ እናገበረ ከምዝኾነ ኮሚሽነር ኮምሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ዶክተር ሽፈራው ተክለማርያም ንግዜኢ ከምዝገለፅዎ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምድርን ከምኡ’ውን ብናይ መቐለን ሽረን መዕርፎ ነፈርቲ ተበፃሒ እናተገበረ ይርከብ ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ናብ ትግራይ ዝተልኣኸ ሰብኣዊ ሓገዝ ንልዕሊ ክልተ ሚልዮን ነበርቲ እቲ ክልል ተጠቃሚ ክገብር ‘ዩ ዝበሉ እቶም ኮምሽነር፤ መንግስቲ ልዑል መድሓኒት፣ ናውቲ ሕክምና፣ ንቤት ትምህርትታትን
ንነበርቲ እቲ ክልልን ንግልጋሎት ማይን መሐለዊ ፅሬት ዝኾኑ ናውቲ ተበፃሒ እናገበረ ምዃኑ ኣብሪሆም።
እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቅፅልን ስለዝኾነ ድማ ምስ መዳርግቲ ኣካላትን ዜጋታትን ብሓባር ብምቅንጃው እናተሰረሐ ምዃኑ ሓቢሮም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብዝነበረ ጎንፂ ግዳይ እቲ ጉድኣት ዝኾኑ ወገናት ብምሕጋዝ መንግስቲ እናገበሮ ካብ ዘሎ ፃዕሪ ብተውሳኺ ናይቲ ማሕበረሰብ ተሳትፎ ብምድናቅ ተጠናኺሩ ንኽቅፅል ሓቲቶም።
ተመዛቢሎም ዝነበሩ ዜጋታት ናብ መንበሪኦም
ኣብ ክልል ...6
ኮማንደር ገ/መስቀል ወ/ሚካኤል
ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ውሽጣዊ ፀገም ብምፍታሕ ሓድነት ዘጣናኽር 'ዩ
መኣርግ ገ/ሄር
ኣዲስ ኣበባ፡- እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ሕገ መንግስቲ መሰረት ዝገበረ ብምዃኑ ውሽጣዊ ፀገም ብምፍታሕ
ዝተበፅሐ ...6
ገፅ 4
ገፅ 5
ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ
‹‹ እዚ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ተግባር ምውዓሉ እቲ ቐንዲ ተጠቃሚ ንህዝቢ ትግራይ ‘ዩ››
- ኣይተ ጎይቶኦም በርሀ
ገፅ 7
ኣብ መቐለ ስምምዕነት ሰላም
ዝድግፍ ምርኢት ካርኒቫል ተኻይዱ
ወጋሕታ
ዜና
‹‹ኢትዮጵያ ናብ ብልፅግና እትገብሮ ጉዕዞ ኢንተርኔት ፅቡቕ ዕድል ይፈጥረላ'ዩ››
-ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ኣዲስ ኣበባ፡- ኢትዮጵያ ናብ ብልፅግና እትገብሮ ጉዕዞ ኢንተርኔት ፅቡቕ ዕድል ይፈጥረላ'ዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ተጠቀምቲ ኢንተርኔት ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ካብ ዝነበሮ 19ሚልየን ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ 30ሚልዮን ከምዝበፅሐ 'ውን ገሊፆም 'ዮም፡፡
ፎቶ ፅሐይ ንጉሴ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኣዳራሽ ትካል ሕቡራት መንግስታት ኮምሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ኣብ ዝተኸፈተ መበል 17 ዓለም ለኸ በይነ መረብ ምምሕዳር ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝገለፅዎ፣ ኢትዮጵያ ተበፃሕነት ኢንተርኔት ብምስፍሕፋሕን ደሕንነት
ሳይበር ኣብ ምሕላው ብዙሕ ስራሕቲ እናሰርሐት እንትኾን ኣብዚ ከይዲ ድማ ንጉዕዞ ብልፅግና ዝፈጥረላ ሰናይ ኣጋጣሚ ከም ኣብ ዕብየት ዘላ ሃገር ኣፍልጦ ትህብ 'ያ፡፡
ኢትዮጵያ ዘፈር ዲጂታል ቴክኖሎጂን ኢንፎርሜሽንን ፈጣን ለውጢ እናምፀአት ከምዝኾነት ዝተዛረቡ ቀደማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ፣ ብግልጋሎት ኢንተርኔት ዝዓበየት ኢትዮጵያ ኣብ ተግባር ንምውዓል ዝተድሓዘ ትልሚ ዓሰርተ ዓመት ተግባራዊ ንምግባር ዘለዎ ረብሓ 'ውን ኣረዲኦም 'ዮም፡፡ ከምኡ 'ውን ኣብ ዘፈር ትራንስፖርት፣ ግብርና ኣብ ጥዕና ዘለዎ ዕብየት 'ውን ዘለዎ ኣወንታዊ ፅልዋ ኣመልኪቶም 'ዮም፡፡ ኣፍሪካ ድሕንነቱ ዝተሓለወ ናይ በየነ መረብ ምምሕዳር ክህልዋ ይግባእ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፣ እዚ ድማ
ብጠንካራ ፖሊሲ ምድጋፍ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡
ኢትዮጵያ ብኮቪድን ካልእ ሰብ ሰራሕ ፀገማት ኣብ ዝተፈተነትሉ እዋን ብበይነ መረብ ምጉዓዝ ምኽኣላ ብፅቡቕ ጎኒ ኣልዒሎም በዚ ልክዕ ድማ እቲ ዘፈር ዝተጋገየ ሓበሬታ እናሳራጨወ ሃገር እናጎድአ ከምዝኸረመ 'ውን ተዛሪቦም፡፡ በዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ትኽክል ብዘይኾኑ ሓበሬታት ምኽንያት ፅዕንቶ በፂሕዋ ከምዝነበረ ተዛሪቦም 'ዮም፡፡
ኢትዮጵያ ዘለዎ ቁፅሪ ህዝቢ ዘማእኸለ ኢንተርኔት ተበፃሒ ንምግባር ኣብ ዝሰርሐትሉ እዋን ብዙሕ ለውጢ ኣምፂኣ 'ያ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2017 ዝነበረ 19ሚልየን ተጠቃሚ ኣብ 2022 ልዕሊ ሰላሳ ሚልዮን ተጠቃሚ ከምዝበፅሐ ገሊፆም 'ዮም፡፡
መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዝድነቕ ምዃኑ ነበርቲ ከተማ ኮረም ገሊፆም
• ትካላት ወፃኢ ህፁፅን ቐፃልነትን ዘለዎ ሓገዝ ክገብሩ ተሓቲቶም
‹‹ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ቅድመ ኹነት የብሉን፣ ስለዝኾነ ድማ ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ክፍፀም 'ዩ››
- ዶክተር ለገሰ ቱሉ
መኣርግ ገ/ሄር
ኣዲስ ኣበባ፡- መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዝድነቕ ምዃኑን ምስ ዘሎ ልዑል ቁፅሪ ተረዳኢ ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ወፃኢ ትካላት ህፁፅን ቐፃልነትን ዘለዎ ሓገዝ ክገብሩ ነበርቲ ከተማ ኮረም ሓቲቶም::
ነባሪ ከተማ ኮረም ኣይተ መሳይ ገብረስላሴ ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፆ፤ ሓገዝ ንረክብ ኣለና፤ እንተኾነ ግን እታ ከተማ ንክልተ ዓመት ኣብ ኲናት ምፅንሓ ብምርዳእ ካብ ፃዕሪ መንግስቲ ብተወሳኺ ረድኤት ትካላት ወፃኢ ዘድሊ ሓገዝ ክገብራ ኣለወን።
ምክፍፋል እቲ ሓገዛ ፍትሓዊ ብምዃኑ ኩሉ ዝተፀገመ ሰብ ብስርዓት ሓገዝ ይግበረሉ ከምዘሎ ዝገለፁ ኣይተ መሳይ፤ ይኹን 'ምበር ግልጋሎት ባንኪ ክፍቲ ብዘይ ምዃኑ ካሊእ ፀገም ከምዝኾነን ነዚ ፀገም ንምቕላል ንኽኽፈት ምሕፅንታ ኣቕሪቦም::
ካልእ ርእይቶ ዝሃባ ወይዘሮ በላይነሽ ከበደ ብግዲአን፣ መንግስቲ ሽግርና ተገንዚቡ ፋፋን ስርናይን የቕርበልና ብምህላዉ ነበርቲ ከተማ ኮረም ሕጉሳት ኢና:: ንህዝቢ ንምሕጋዝ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዓቢይን ዝድነቕን 'ዩ። ይኹን 'ምበር ብዓቕሚ መንግስቲ ናብ ኩሉ ክበፅሕ ስለዘይከኣል ዘይመንግስታዊ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ተወሳኺ ድጋፍ ክገብሩ ይግባእ። ኣብ ዘይትን ንፀብሒ ዝኾኑ እኽልን ፀገም ስለ ዘሎ ክቐርብ ኣለዎ ኢለን።
ካሊእ ነባሪ ከተማ ኮረም ኣይተ ግዛው ታደሰ ናብ ከተማ ኮረም ሓገዝ ይመፅእ ኣሎ 'ዩ፤ ኮይኑ ግና ብምኽንያት ልዑል ቁፅሪ ተጠቃሚ እኹል ኣይኮነን:: ንዝሓለፉ
ክልተ ዓመታት ከተማ ኮረም ናይ ጎንፂ ዞባ ስለዝነበረት ሰራሕተኛታት መንግስቲ 'ውን ተረዳእቲ 'ዮም። ብምዃኑ ብዘይካ እቲ ስርናይ ከም ዘይትን ንፀብሒ ዝኾኑን ሓገዛት 'ውን ክቐርቡ ይግባእ። ኣብ እዋን ኲናት ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ኢሉ 'ውን ዘይምብላዕ ዝነበረ ፀገም ክረአ ከሎ ዝግበር ዘሎ ሓገዝ ተስፋ ዝህብ 'ዩ። ካብቲ ናይ ምግቢ ሓገዝ ወፃኢ ግን ከም ክዳውንትን ፍራሽን ዝኣመሰሉ መገልገልቲ ክቐርቡ ኣለዎም ኢሎም።
እቲ ሓገዝ ብፍትሓዊ ይዕደል ብምህላዉ ዘሕጉስ 'ዩ ዝበለት ወይዘሮ ትዕግስቲ በርሀ፤ እዚ ክጠናኸር ኣለዎ፤ ከተማ ኮረምን ከባቢኣን ካብ ኲናት ወፃኢ ምዃና ሕጉሳት ኢና፤ እንተኾንና ግና ህፁፅ ሓገዝ የድልየና 'ዩ። ከምኡ 'ውን መሰረታዊ ግልጋሎታት ክፉት ክኾነልና ኣለዎ ከትብል ሓቲታ።
ኣተሓባባሪ ሎጂስቲክስ ከተማ ኮረም ኣይተ መኮነን ዘገየ ብግዲኦም፣ እቲ ከባቢ ሓራ ምስ ወፀ መንግስቲ ንዝተጎድኡ ሰባት ሓገዝ ገይሩ 'ዩ፤ ኮይኑ ግና በዝሒ ተረዳኢ ስለ ዘሎ ካልኦት ሓገዝቲ ኣካላት ተወሳኺ ድጋፍ ክገብሩ ኣለዎም ኢሎም::
ኣብ ከተማ ኮረም ብዙሓት ተሓገዝቲ ከምዘለዉ ዝገለፁ እቶም ኣተሓባባሪ፣ ይኹን 'ምበር ካልኦት ናይ ወፃኢ ሓገዝቲ ትካላት ከምዘይኣተዉ ገሊፆም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝለኣኾ ናይ ሓገዝ ስርናይ ይዕደል ኣሎ። ካብ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክሳብ ሓረስቶት ወረዳ ወፍላን ዛታን ዝረኸብዎ ሓገዝ የለን። ብመንግስቲ ፌደራልን ክልል ኣምሓራን ንከተማ ኮረም ዝቐረበ ሓገዝ ይዕደ ኣሎ 'ዩ:: ኮይኑ ግና በዝሒ ተረዳኢ ኣብ ግምት ብምእታው ከም
ዘይትን ንሽሮን ዝኾኑ ኣእኻል ክቐርቡ ኣለዎም ኢሎም::
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ኣዲስ ኣበባ ፡- ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ምንም ዓይነት ቅድመ ኹነት ዘይብሉን ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ድማ ከምዝፍፀም ሚኒስትር ግልጋሎት ኮምኬሽን መንግስቲ ፌዴሪኢ ገሊፁ፡፡
እቶም ሚኒስትር ዶክተር ለገሰ ቱሉ ኣብ ማሕበራዊ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ፣ ‹‹ድልይትና ምጥዕዓም መርህ ዲሞክራሲ 'ዩ ›› ኢሎም፡፡
ንህዝብን ህብረ ብሄራውን ሓድነት ክባሃል በቢዕለቱ መንግስቲ መስዋእትነት እናኸፈለ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ፣ ‹‹ ሕድ ሕድ ሰብ ከምዝምነዮ ሰላምን ብልፅግና ንምስፋን ናይ መንግስትን ቀዳማይ ዕላማ 'ዩ›› ኢሎም ፡፡ ‹‹ሰላም ዝመፅእ ብመትከልን ሕግን 'ዩ›› ክብሉ 'ውን ገሊፆም፡፡
ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ንክፍሊ ሰሜናዊ ሃገርና ሰረት ከምዝገደፈ ዝገለፁ ዶክተር ለገሰ፣ ናይ ናይሮቢ ድማ ሰረት መፈፀሚ ከምዘቕመጠ ኣመልኪቶም 'ዮም፡፡
ከተማ ሽረ
ዶክተር ለገሰ ከምዝገለፅዎ ፣ ዘለና ብሕታዊ መማረፂ እዚ ስምምዕነት ተግባራዊ ምግባር 'ዩ፡፡ ኹሉ ሰዓራይ ንዝገብሮ መትከል ኹሉ ናይ ግቡኡ ሓላፍነት ክዋፃእ ኣለዎ፡፡
ኣብ ኣላማጣ ብኲናት ምኽንያት ተቋሪፆም ዝነበሩ ግልጋሎታት 75 ሚእታዊ ተመሊሶም ተባሂሉ
ፅገና መስመር መተሓላለፊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሽረ
ክዛዘም 'ዩ ተባሂሉ
ኣብርሃ ሓጎስ
ኣዲስ ኣበባ:- ኣብ ኲናት ውሽጢ ዝፀነሐት ከተማ ኣላማጣ ተቋሪፆም ዝነበሩ ግልጋሎታት 75 ሚእታዊ ከምዝተመሱን፤ ኣብ ዝቅፅል ሰሙን ድማ ኩሎም ግልጋሎታት ምሉእ ብምሉእ ስራሕ ከምዝጅምሩ ምምሕዳር ከተማ ኣላማጣ ኣፍሊጡ።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣላማጣ ኣይተ ሃይሉ ኣበራ ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ፤ ከተማ ኣላማጣ ካብ ጎንፂ ምስ ወፅአት ኣብ ሓፂር እዋን ውሽጢ 75 ምኢታዊ ዝኸውን ግልጋሎት ናብ ዝነበሮ ተመሊሱ።
ብፍላይ ግልጋሎት ማይ ኣብ ፅቡቅ ኩነታት ከምዘሎን፤ 2G ን 3G ግልጋሎት ኢንተርኔት 'ውን ጀሚሩ 'ዩ። ኣብ ቀፃሊ በቲ ኵናት ዝተበጣጠሱ ፋይበራት ብምፅጋን ቅልጡፍ ናይ ኢንተርኔት ግልጋሎት ክጅምር 'ዩ ኢሎም።
ከም ኣገላልፃ እቶም ከንቲባ ናይታ ከተማ ግልጋሎት መብራህቲ ናብ ዝነበሮ ከምዝተመለሰን፤ ከምኡ'ውን ኣብታ ከተማ ዘለው ናይ ንግዲ ትካላት ተኸፊቶም ንማሕበረሰብ ግልጋሎት ምሃብ ምጅማሮም ገልፆም።
ማሕበራዊ ግልጋሎታት ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ ንምእታው ምምሕዳር እቲ ከተማ ብዙሕ ስራሕቲ እናሰረሐ ይርከብ ዝበሉ እቶም ከንቲባ፤ ኣብ ዝቅፅል ሰሙን ኩሎም ግልጋሎታት ወሃብቲ ትካላት ናብ ስሩዕ ስርሖም ክምለሱ 'ዮም ክብሉ ሓቢሮም።
ናብ ስራሕ ዘይኣተው ናይ ንግዲ ትካላት ስራሕ ንክጅምሩ እናተገበረ 'ዩ ዝበሉ እቶም ከንቲባ፤ ናይ ኣላማጣ ዕዳጋ 'ውን
ኣይተ ሃይሉ ኣበራ
ናብ ስሩዕ ስራfh ተመሊሱ 'ዩ ኢሎም።
ከም ኣይተ ኃይሉ መብርሂ፤ ናይ መጎዓዓዝያ ግልጋሎት ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ዝነበሮ ምምላሱን ናብ ኩሎም ወረዳታት ራያ ዝግበር ግልጋሎት መጓዓዝያ ወሲኹ ናይ ከተማ ባጃጃት ናብ ቀደም ስርሖም ተመሊሶም፣ጥዕና ጣብያታት 'ውን ስርሖም ጀሚሮ 'ዮም።
ኣላማጣን ከባቢኣን ዘለዉ ወረዳታት ንዝሓለፉ ክልተ ዓመት ብዝልዓለ ብርኪ ዝተጎድኡ 'ዮም ዝበሉ እቶም ከንቲባ፤ እቲ ዝጀመረ ሰብኣዊ ሓገዝ ክጠናኸርን፤ ከም ባንኪ ዓይነት ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ስራሕ ክጅምሩ ከምዝግባእ ገሊፆም።
እቶም ከንቲባ ክምዝበልዎ፤ ናይ ጥዕና ትካላት ግልጋሎት መውሃቢ ናውቲ ክማልኡ ከምዘለዎምን፤ ኣብ ቤት ትምህርትታት ናይ ተምሃሮ መቀመጢ ወንበርን ኮምፒተርን ዘሎ ፀገም 'ውን ክቃለል ይግባእ ኢሎም።
ኣብርሃ ሓጎስ
ኣዲስ ኣበባ፡- ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ካብ ከተማ ሽራሮ ናብ ሽረ ዝወስድ ላዕለዋይ መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ስራሕቲ ፅገና ከምዝዛዘም ኣፍሊጡ።
ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ሞገስ መኮነን ብፍላይ ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከምዝገልፅዎ፤ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ካብ ዝተጎድኡ መስመራት ሓደ ዝኾነ ልዑል መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሽራሮ-ሽረ ፅገና ንምዝዛም ክኢላታት ኣበርቲዖም ይሰርfh ኣለው።
ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝሰርሖም ዓበይቲ ስራሕቲ ፅገና ካብ fhመራ ወልቃይት ተከዘ፣ ዓዲጎሹ፣ ክሳብ ሽራሮ ዘሎ ስራሕቲ ፅገና ምዝዛሙ ሓደ ውፅኢት ምዃኑ ዝገለፁ አይተ ሞገስ፤ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ መዓልታት ድማ ክሳብ ሽረ ዘሎ መስመር መተሓላለፊ ልዑል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምዝዛም እቲ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ከነጠናኽሮ ኢና ክብሉ ኣብሪሆም።
ከባቢ ሽረ ካብ ተከዘ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ስለዝረክብ ካብ ሽራሮ- ሽረ ካብ ዘሎ መስመር ጎኒ ጎኒ ናብ ተከዘን ካልኦትን ኣንፈት ዝኸይድ መስመር መተሓላለፊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክፅገን ምዃኑ ገሊፆም።
ካብ fhመራ-ወልቃይት ዝመፅእ መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ላዕላዋይ ክፋሉ ፀገም ኣጋጢምዎ ከምዝነበረ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ሞገስ፣ናይ ሽረ መስመር ሓይሊ ንኻልኦት ከባቢታት ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ካልኣይ ንክረኽቡ ዝግበር ፃዕሪ ጠቃሚ ምዃኑ ሓቢሮም።
ክሳብ ሽረ ዘሎ መተሓላለፊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ መስመር
ፅገናኡ እንትዛዘም እቲ ስራሕ ካብ ሽረ ሓሊፉ ናብ ከተማታት
አክሱምን ዓድዋን ዘመሓላልፍ ልዑል ሓይሊ መስመር ፅገና ክግበር 'ዩ ክብሉ ኣይተ ሞገስ ኣፍሊጦም።
እቶም ዳይሬክተር ከምዝገለፅዎ፤ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ወገን እናተገበረ ዘሎ ፍተሻ ስራሕቲ ካብ ተከዘ-ሽረ ከምኡ'ውን ናብ ከተማታት ኣክሱምን ዓድዋን ዝተዘርግfh ልዑል መተሓላለፊታት ሓይሊ እዙይ ዝብሃል ከቢድ ፀገም ከምዘይኣጋጠሞም ፀብፃብ ቀሪቡ 'ዩ።
ብዙይ መሰረት እቶም ከባቢታት ኤሌክትሪክ ዝረኽብሉ ዕድል ንምፍጣር ኣድላይ ዘበለ ፅዕሪ እናተገበረ ይርከብ ኢሎም። እቶም ሰራሕተኛታት 'ውን ቀትርን ለይትን ኣድላይ ናይ ፍተሻን ፅገናን ስራሕቲ እናገበሩ 'ዮም ኢሎም።
ኣብ ስራሕቲ ፅገና ልዑል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክሳብ
200 ዝበፅfh ናይ ቴክኒክ በዓል ሞያታትን ናይ ጉልበት ሰራሕተኛታን እናተሳተፉ ከምዝኾኑ ኣይተ ሞገስ ወሲኾም ገሊፆም።
ካብ ሸራሮ-ሽረ ከምኡ'ውን ናብ fhመራ፣ ኣክሱምን ዓድዋን ዝኸይድ ልዑል መተሓላለፊ መስመራት ብሓይሊ ኤሌክትሬክ ኢትዮጵያ ይፀገን 'ምበር ናይ ስርጭት መስመር ድማ ብግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ወገን 'ዮም ዝከናወኑ ክብሉ ኣይተ ሞገስ ሓቢሮም።
በቲ ኲናት ምኽንያት ጉድኣት ዘጋጠሞ ናይ ሸራሮ- ሽረ በዓል 230 ኪሎ ቮልት መስመር መተሓላለፊ ሓይሊ ንምፅጋን ብሽዱሽተ ጉጅለታት ዝተዋቐረ ናይ ፅገና ጉጅለ ፃዕሪ እናገበረ ከምዝርከብ ሓበሬታ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ የመላኽት።
ርእሰ ኣንቀፅ
ብመሰረት fhገ መንግስቲ እንትብሃል…
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ህወሓት ንኽልተ ዓመት ዝፀንሐ ኹናት ብዘላቂነት ሕገ መንግስቲ ብዝሳነ መልክዕ፣ ናይ ህወሓት ተዋጋእቲ ዕጥቂ ዝፈትfhሉ ዝሰናበቱሉን ዳግመ-ፅንበራ ዝገብሩሉን ሰፊሕ ጠጠው ብምባል ዘላቂ ሰላም ንምስፋን ዘኽእል ስምምዕነት ሰላም ከምተፈረመ ይዝከር፡፡እቲ ስምምዕነት ሰላም ማእኸሉ ንድፊ ኣውፂኦም ክፍፅሙዎ ተስማዕሚዖምን 'ዮም።እዚ ማለት ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ወፃኢ ሕገ መንግስትን ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኾይኑ ሉዓላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ዘፅንዕ፣ ሓበራዊ ረብሓ ካሊእ ምስኡ ክመዓራረይ ዝኽእል ሓይሊ ኣብ ክልል ትግራይ ኣይህልውን ማለት'ዩ፡፡
ህዝቢታት ኢትዮጵያ ዝሓለወ፣ኣብ ሓንቲ ሉኣላዊት ሃገር ክልተ ዝተዓጠቐ ሓይሊ ክህሉ ከምዘይኽእልን ሕገመንግስታዊ ካብ ፌደራል መንግስቲ ወፃኢ ምስ ግዳማዊያን ሓይልታት ርክብ ምግባር ኣይከኣልን፡፡ እዚ ርክብ ወፃኢ ምግባርን ስርዓት ምኽባር ግቡእ ከምዝኾነ ዘረጋገፀ'ዩ፡፡ ንዚ ዝኸውን ፖሊሲ ምውፃእን ምትግባርን ተግባርን ስልጣንን ፌደራል መንግስቲ ስለዝኾነ‹‹ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት… እቲ ስምምዕነት ሰላም ብመሰረት ሕገ መንግስት'ዩ ዝተኻየደን ዝፍፀምን እንትብሃል እንታይ ማለት'ዩ? ዝብል ሕቶ ››ኢሉ ሓደ ክልል ወይ ውድብ ርክብ ወፃኢ ክገበር ኣይፈቀድን፡፡ ስለዚ'ዩ ኣብ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ዓንቀፅ 7(ሰ) ግልፂ ምግባር ግድን ይኸውን፡፡ ህወሓት ምስ ግዳማዊያን ሓይልታት ዘይሕገመንግስታዊ መልእኽቲ ምልእኣኽን ርክብ ምፍጣርን ሓዊሱ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ዓንቀፅ 51 ንፌደራል መንግስቲ ኣብ ዝተውሃቦ ስልጣንን ተግባርን ከምዝደንገጎ፣ ኣብ ሉኣላዊነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ዘድክም ተግባር ደው ከብል ዝተስማምዐ፡፡ ምኽንያቱ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ርክብ
ቁፅሪ 1 ሕገ መንግስቲ ይሕልው፣ይከላኸል፣ኣብ ቁፅሪ 6 ናይ ሃገርን ህዝብን ናይ ምክልኻልን ደሕንነት ከምኡ'ውን ናይ ወፃኢ ምክያድ ስልጣንን ተግባርን ፌደራል መንግስቲ ስለዝኾነ፡፡
ፌደራል መንግስቲ ሓይሊ ፖሊስ የጣይሽ፣ ኣብ ቁፅሪ 8 ፖሊሲ ርክብ ወፃኢ ይውስን፣የፈፅም፣ዓለምለኸ ስምምዓት ኣብ ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 102(1፣2 ) ፌደራል መንግስቲ ኣብ ፌደራልን ክልልን ናይ መረፃ ክልላት ነፃ ትኽክለኛ መረፃ ይወዓዓል፣የፅድቅ፣ኣብ ቁፅሪ 15 መረፃ ዝምልከት ሕጊ የውፅእ ከምኡ'ውን ኣብ ቁፅሪ 21 ኣፅዋር ኹናት ብዛዕባ ምሓዝ ብዘይሻራዊነት ንክካየድ ካብ ዝኾነ ተፅዕኖ ነፃ ዝኾነ መረፃ ቦርድ የጣይሽ፣.ኣባላት እቲ ቦርድ ብመቕረባይነት ቀዳማይ ይውስን ይብል፡፡ እዞም ስልጣናትን ተግባራትን ናይ ፌደራል መንግስቲ'ምበር ናይ ክልል መንግስቲ ወይከዓ ናይ ዝኾነ ሚኒስትር ብቤት ምኽሪ ይሽወሙ፣እቲ ዝርዝር ብሕጊ ይወሰን ይብል፡፡ እዚ ማለት መረፃ ቦርድ ናይ ምጥያሽን መረፃ ናይ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮኑን፡፡ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ድማ እዞም ስልጣናትን ተግባራትን ፌደራል መንግስት ኣብ ክልል ምክያድ ስልጣን ፌደራል መንግስቲ ከምዝኾነ ዘረጋገፀ ድንጋገ'ዩ፡፡
ትግራይ ተፈፃሚ ከምዝኾኑ ዘረጋገፀ'ዩ፡፡ ኣብ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ዓንቀፅ 10 ናይ ስግግር ስጉምቲታት ኣብ ዝብል ቁፅሪ 1 ፌደራል መንግስቲ ንህወሓት እዞም ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝተደንገጉ ስልጣንን ተግባርን ፌደራል መንግስቲ ድሕንነትት፤ሓይሊ ምክልኻል፣ርክብ ራዕዳዊ ዝብል ሽም ኣብ ቤት ምኽሪ ምስ ኣልዐለሉ ኣብ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ብመረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ ኣቢሉ ናይ ወፃኢ፣መረፃ ምክያድ ዝከኣል በፌደራል መንግስቲ ምዃኑ ዘረጋግፅ'ዩ፡፡ ስለዚ ፌደራል መንግስቲ ብሕገ መንግስቲ ክልል ቤት ምኽሪን ናይ ተወከልቲ ህዝቢ ቤት ምኽሪን መረፃ እስካብ ዝግበር፣ ብኽልቲኦም ወገናት ብዝግበር ምይይጥ፣ ዝተውሃቦ ስልጣን ናይ ምፍፃም ግቡእ ኣለዎ፡፡ ንኹሉ ዝሓቖፈ ክልላዊ ስግግር መንግስቲ ክጣየሽ 'ዩ ይብል፡፡ እዚ ማለት ኣብ ትግራይ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተገበረ ኣብ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ንዘላቒ ተፃብኦ ደው ምባል ሰረት ዝኾኑ መትከላት ኣብ ዝብል፣ ዓንቀፅ 2 (ሀ፣ለ) መረፃ ዘይሕገመንግስታዊ ከምዝነበረ መረጋገፂ'ዩ፡፡ ስለዚ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ መረፃ ቦርድ ዝመርሖን ዘፈፅኦም መረፃ
ኣብ ሉኣላዊነት፣ ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሓድነትን ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ(ፌዴሪኢ) ምኽባር ይካየድ ማለት ከምዝኾነ ክፍለጥ ይግባእ፡፡
ክልቲኦም ወገናት ከምስርfh ፣ኣብ ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ንዝሰፈሩ ሕገ መንግስታዊ መትከላትን ኣግባባትን ሕጋዊነቶም ብሓፈሻ እቲ ስምምዕነት ብመሰረት ሕገመንግስቲ እንትብሃል ኣብ ሓንቲ ሃገር ሓደ ሰራዊት ምክልኻል፣ሓደ ርክብ ኣፍልጦ ምሃብን ምኽባርን ከምዝግብኦም ኣቐሚጡ ኣሎ፡፡ ወፃኢን ሓደ ቦርድ መረፃ ይህልው ማለት'ዩ፡፡ ስለዚ ድማ ህወሓት ዕጥቒ ይፈትሕ፣ርክብ ወፃኢ ክገብር ኣይኽእልን፣ዘካየዶ ኣብ ዓንቀፅ 6(ሀ፣ለ) ዕጥቂ ምፍታሕ፣ ምስንባት፣ ዳግመ-ፅንበራ ኣብ ዝብል ድማ ፌደራላዊት ዴሞክራሲያዊት ዘይሕጋዊ መረፃ ተቐባልነት የብሉን፤ከምብሓድሽ ይካየድ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ድማ ብዓንቀፅ 52(2/ሰ) መሰረት ክልላዊ
ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ሓደ ሓይሊ ምክልኻል ጥራሕ ከም ዘለዋ ኣፍልጦ ሂቦምን ተስማዕሚዖምን 'ዮም። ምስ ናይ ኢትዮጵያ ፖሊስ ይህልው፤ፀጥታን ሰላም ክልል ይሕልው ማለት ከምዝኾነ ኩሉ ክርድኦን ክፈልጦን ግድን ይኸውን፡፡
ወጋሕታ 24 ሕዳር 2013 ዓ.ም 1
ወጋሕታ
3 ሕዳር 2013 ዓ.ም ተመስሪታ
ዋና ስራfh ፈፃሚ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ
ቁፅሪ ስልኪ - 000-000-00-00
ዋና ኣሰናዳኢ
ፍቃዱ ሞላ
ኣድራሻ
የካ ክ/ከ ወረዳ 14
የቤት ቁጥር 520/20
ኢሜይል - fekadumola@press.et
ስልክ ቁጥር - 011-1-56-98-77
ኣሰናዳእቲ
ማዕረግ ገ/ሄር መሰረት ገ/ዮሃንስ ሄርሞን ፍቃዱ ኣብርሃ ሓጎስ
ዘፈር ልምዓትን ዕዳጋን ፕሮሞሽን
ስልክ - 011-126-43-41
ፋክስ - 011-811-13-15
ክፍሊ መቐበሊ ምልላይ
ስልክ ቁጥር - 011-156-98-73 ፋክስ - 011-126-58-12
መተሓባበሪ ምልላይ ዕዳጋ
ስልክ - 011-1-26-43-39
መከፋፈሊ
ስልክ ቁጥር - 011-157-02-70
እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ
ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።
ነፃ ሓሳብ
ንተግባራውነት ስምምዕነት ሰላም-ምኽባር ሕገ መንግስቲ
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ንህዝቢ ትግራይ ፅቡቕ ኣይነበረን:: ህዝቢ ከም ህዝቢ ክረኽቦ ዝገበኦ መሰል ከይረኸበ ዝሓለፈሉ እዋን 'ዩ ነይሩ:: ተምሃሮ ኣብ ትምህርቶም ኣትኹሮም ፍልጠት ኣብ ክንዲ ምሓዝ ኣብ ገዛ ኮፍ ኢሎም ብዛዕባ ኹናት ክሓስቡን ክሰግኡን 'ዮም ኣሕሊፈምዎ:: ሓረስታይ ኣብ ክንዲ ማሕረሱ ሓንጊጡ ናብ ማሕረስ ምኻድ ናውቱ ሒዙ ካብ መረበቱ ተላዒሉ ፈቖድኡ እናተመዛበለ ዘሕለፈሉ እዋን 'ዩ ነይሩ:: ብሓፈሻ እቲ ህዝቢ ኣይመቸዎን ነይሩ :: ኣብዚ እዚ እዋን እናሰምዓናዮ ዘሎ ሃዋህው ሰላም ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ዘሐጎሰን ተቐባልነት ዝረኸበን እንተኾነ 'ውን ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ግና ካብ ኣቲዎ ዘሎ ፀገም ናይ ምውፃእ ተስፋ ዝሃበ 'ዩ:: ኣብ ሰላም ቦታ ኾይንካ ስለ ሰላም ኣድላይነት ሓሳብ ምሃበን ሰላም ስኢንካ እትምነዮ ሰላም ነንበይኑ 'ዩ ፤ ህዝቢ ትግራይ ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሰላም ካብ ማንም ንላዕሊ
ዘድልዮ 'ዩ::
ህገመንግስታዊ ስርዓት መሰረት ገይሩ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ዉድብ ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ደስ ዝብል ዜና 'ዩ :: እዚ ኹናት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝነበረ ኹናት ብሰላም ንክዛዘም ዝገብር ስለዝኾነ ንኽልቲኦም ወገናት ዓብይ ዓወት'ዩ::
ኹናት ከምዝፍለጥ በላዒ ህይወትን ኣውዳሚ ንብረትን ከምዝኾነ ዝፍለጥ 'ዩ :: ካብ ኹናት ምንም ረብሓ የለን:: ካብዚ ብምብጋስ ፌደራል መንግስቲ ይኹን ዉድብ ህወሓት ንመጀመርያ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ፕሪቶርያ ዝገበርዎ ስምምዕነት ቀፂሉ ድማ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ናይ ክልቲኦም ወታደራዊ ሓለፍቲ ዝገበርዎ ንቲ ናይ ፕሪቶሪያ ስምምዕነት ናብ መሬት ንምውራድ ዘኽእል ስምምዕነት ፅቡቕን ተስፋ ዝሃበ 'ዩ:: ካብቲ ከይዲ ስምምዕነት ሰላም ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ እንተይኾነስ ንህዝቢ ኢትዮጵያ 'ውን ዝበለፀ ረብሓ 'ዩ ዘለዎ:: ስለዚ እዚ ስምምዕነት ሰላም ንኢትዮጵያ ኾነ ነቲ ኣብ ፀገም ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ዓብይ ተስፋ ሃዋህው ሒዙ ዝመፀ 'ዩ ::
ኾይኑ ግና እዚ ኹሉ ከይዲ ምስ ሓለፈ ኣብ ተግባር እንድሕር ዘይተጠቒምናሉ ኸዚ 'ውን ካብ ጌጋና ኣይንማሃርን ማለት 'ዩ:: እዚ ድማ እቲ ጌጋ ደጊሙ ከይፍጠር ካብቲ ዝሓለፈ ዕንወትን ምጥፋእ ህይወትን ተማሂሮም ክልቲኦም ኣካላት እቲ ዝተሰማዕማዕሉ ጉዳይ ኣብ ተግባር ኣውዒሎም ንክሰርሕሉ ትፅቢት 'ዩ ዝግበር:: ዝምልከቶም ኣካላት ድማ ኣብዚ ግዴኦም ክዋፅኡ ኣለዎም:: ኣቦታት ሃይማኖት ፣ ዓበይቲ ዓድን ዝኣመሰሉን ዓብይ ትኹረት ክህብሉ ኣለዎም:: ነዞም ክልቲኦም ኣካላት ናብ ሰላም ንክመፁን ተግባራዊ ንክገብርዎን ፅዕንቶ ክፈጥሩ አለዎም:: ኣብ ተግባር እንድሕር ዘይተሪኡ እቲ ህዝቢ 'ውን ናብ ተስፋ ምቑራፅ 'ዩ ዝኸይድ::
ብመሰረት ህገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ሃገር ሓደ ምክልኻል ሓይሊ'ዪ ዝህሊ::ስለዚ ኣብቲ ስምምነት ዕጡቓት ህወሓት ዕጥቒ ከምዝፈትfh ኣብ ስምምዕነት ተበፂfh ኣሎ::በዚህ መሰረት ድማ እቲ ዓብይን ጉዳይ ዕጥቒ ምፍታሕ 'ዩ:: ኣብ ሓንቲ ሃገር ሓደ ሰራዊት ምክልኻል ክህልው ኣለዎ፤ክልል ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ብምዃና ክትሕሎን ሰላማ ክረጋገፅ ዘለዎ ብሰራዊት ምክልኻል ሃገር 'ዩ:: ካብዚ ብምብጋስ 'ዩ 'ውን ኣብ ኬንያ ብክልቲኦም ላዕላዎት ወታደራዊ ኣዘዝቲ ዝፈረምዎ ኣብ ተግባር ክውዕል ኣለዎ:: ነወእዚ ድማ ካብ መራሕቲ ዕጡቕ ሰራዊት ህወሓት ተስፋ ዝህብ ምላሽ እናረኸበ ይርከብ:: ሙሉእ ተግባራዊ ክኸውን ኣለዎ
እዚ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ተግባር ክውዕል ኹሉ ክረባረብ ኣለዎ:: ህዝብታት ትግራይ ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ሓደ 'ዮም:: እቲ ጥፍኣት ኣብ ኩሎም ዝበፅሐ 'ዩ:: ኸዚ እዚ ንድሕሪት ምሕሳብ ፣ ቂም ምሓዝ እንተይኾነስ ፀገማት ብሰላማዊ መገዲ ንምእላይ ፃዕሪ ይሓትት 'ዩ:: ህወሐት ዝፈረሞ ስምምዕነት ኣብ ተግባር ንምውዓል እቲ ዋና ዕላምኡ ህዝቢ ካብ ጥምየትን ሕማምን ንምድሓን ከምዝኾነ ኣብ ዝተፈላላየ ሚድያታቱ ገሊፁ 'ዩ:: እዚ ከይዲ ድማ ዝኾነ ትግራዋይ ዝቕበሎን ናብ ተግባር ድማ ንክመፅእ እናተፀበየ ዘሎ ኩነታት 'ዩ ዘሎ:: እኳድኣስ ዝበረታትዕን በዚ ድማ ብኹናት ዝተጎድአ ህዝቢ ክካሓስን ኣብ መንጎ ህዝብታት ተፈጢሩ ዝነበረ ጎንፂ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ
ዓብይ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ::
እዚ ዝተፈጠረ ጎንፂ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኣይኮነን:: ነዚ ኣብነት ዝኾነና ድማ ቅድሚ ዒስራ ዓመታት ኢትዮጵያ እና ኤርትራ ኹናት እናተኻየደ ህዝቢ ንህዝቢ ግና ይራኸብ ነይሩ:: ካልእ ተሪፉ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ይኣትዉ ነይሩ 'ዩ:: ልዕሊ ዒስራ ዓመታት ኣብ ክልቲኦም ዶብ እንተተዓፀወ 'ውን ህዝቢ ንህዝቢ ዝራኸብ ዝነበረ እቲ ጎንፂ ኣብ መንጎ ህዝቢ እንተይኾነስ ድልየት ፖለቲከኛታት ስለዘነበረ 'ዩ:: እዚ ኹሉ ኮይኑ ድሕሪ ለውጢ ቀደማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ኤርትራ ኣቅኒዖም ሰላም ምስ ወረደ ኣብ ዶብ ዝነበሩ ህዝብታት ብፍላይ ድማ ኣብ ዛላምበሳ ህዝቢ ንህዝቢ እንትራኸብ ዝነበረ ስምዒት ጥራሕ ምዝካር እኹል 'ዩ::
እቲ ኹሉ ኹናት ቅርሕንቲ ተሪፉ ሰላም ዝወረደሉ 'ዩ:: ካብዚ 'ውን ብግልፂ እንርድኦ እቲ ኹናት ህዝቢ ንህዝቢ ብዘይምዃኑ 'ዩ:: ኣብዚ ኹሉ ኩነታት ኾይኑ ህዝቢ ንህዝቢ ክንፀል ኣይካኣለን:: ኸዚ 'ውን እናተርኣየ ዘሎ እዚ 'ዩ:: እቶም ህዝብታት ናብ ዝነበርዎ ሰላምን ሓድነትን ዝፍጠረሉ እዋን እናናፈቖም ይርከብ::
ንዚ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ምፍፃም ሕገመንግስቲ መሰረት'ዩ::ኩሉ ትሕቲ ሕገ መንግስቲ 'ዩ::ፖለቲካ ፓርትታት ኽልተ እግሪ ስለዘለዎም እቲ ሓደ ሰላማዊ ክልእ እዋን ድማ ብተቃራኒ ጠጠው ክባሃል ኣይካኣልን:: መንግስቲ ሕገ መንግስቲ ናይ ምኽባር ሓላፍነት ኣለዎ:: ንሰላም ሃገር ህዝቢ 'ውን ሓላፍነቱ ክወፃእ ይግባእ:: መንግስቲ እንታይ ገይርልና ጥራሕ እንተይኾነስ ንሕና እንታይ ገይርና ኢልካ ምሕታት ግቡእ 'ዩ:: ካብ መንግስቲ ጥራሕ ትፅቢት ምግባር ጠጠው ክብል ይግባእ:: ስለዚ ኣብ ቀፃሊ ከም ሃገር ንከይጋጥም ብሓባር ዝተወደበ ስራሕ ክስራሕ ትፅቢት ይግበረልና:: ኸዚ 'ውን ናይ ሰላም ስምምዕነት ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ተግባራዊ ንክኸውን ክልቲኦም ወገናት፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብፍላይ፣ዓበይቲ ዓዲ፣መራሕቲ ሃይማት፣ሲቪክ ማሕበራት፣ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ግቡኦም ክዋፅኡ ኣለዎም::ሰላም ንኹሉ::
4
እዋናዊ ዛዕባ
ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ
ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ፕሪቶሪያ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ሉዓላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ዘፅንዕ’ዩ፡፡ ሓበራዊ ረብሓ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ብዝሓለወ መልክዑ ኣብ ሓንቲ ሉኣላዊት ሃገር ክልተ ዝተዓጠቐ ሓይሊ ክህሉ ከምዘይኽእልን ሕገመንግስታዊ ስርዓት ምኽባር ከምዝግባእን መሰረት ዝገበረ’ዩ፡፡ብመንፅር እዚ ካብ ሕገ-መንግስቲ ወፃእ ዘለዉ ምንቅስቓሳት ጠጠው ኢሎም ክልል ትግራይ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ መረፃ ንኽካየድ ግዚያዊ ምምሕዳር ከምዝጣየሽ ‘ውን ኣብ ስምምዕነት ተበፂfh ኣሎ፡፡ትርጉም ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ ስምምዕነት ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡፡ሰናይ ንባብ፡፡
ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት)
ጎንፂ ብዘላቒነት ጠጠው ብምባል ንዘላቂ ሰላም ዝተገብረ ስምምዕነት
መእተዊ
ምስምማዕ፡- ብ24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ክልል ትግራይ ዝነቶገ ተራማፂ ጎንፂ፣ ምስ ሕገ መንግስቲ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ብዝቃዶ መልክዕ በሰላም ንምፍታሕ ምስምዕማዕ።
ምፍላጥ ፡- ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ኣካላት ዝተገበረ ጎንፂ፣ ኣብ ህይወትን ናብራን ደቂ ሰባት ንዘምፀኦ ኣዕናዊ ሳዕቤን ኣፍልጦ ምሃብ።
ምርግጋፅ፡- ናይ ፖለቲካ ፀገም ብዘላቕነት ዝፍታሕ፣ ብፖለቲካዊ መገዲ ጥራሕ ምዃኑ ምርግጋፅ።
ቃል ምእታው፡- ኽልቲኦም ወገናት፣ “ጠበንጃ ምእባድ” ንዝብል ንናይ 2030 ኣ.ፈ ናይ ሕብረት ኣፍሪካ ኣጀንዳ፣ ንናይ ኣፍሪካ ፀገም ናይ ኣፍሪካ ፍታሕ ምስ ዝብል መንፈስ ብዝቃዶ መልክዕ፣ ንዝኣተዉዎ መፅባዓ መሊሶም ቃል ምእታው።
መፍትሒ ምእላሽ፡-ኣብ ክልል ትግራይ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ናብ ዝነበሮ ምምላስ ሓዊሱ፣ ነዚ ጎንፂ ዘላቒን ሰፊሕን መፍትሒ ንምእላሽ ምውሳን።
ምእማን፡- ቀዋሚ ተፃብኦ ደው ኣብ ምባልን፣ ንናይ ፖለቲካ ኣፋላላያትን ክትዓትን ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዘኽእል አሰራርሓን ኣካይዳ ከም ዘድሊ ምእማን፡፡
ምውሳን፡- ብናይ ቀዋሚ ተፃብኦ ደው ምባል ማዕቀፍ፣ ነዚ ቕልውላው፣ ሰላማዊን ዘላቒን ዝኾነ ፍታሕ ኣብ ምእላሽ ምውሳን። እዙይ ከም ዝኽበር ዝቋፃፀሩን ዝምስክሩን ኣሰራርሓታት ‘ውን ክቕመጡ ‘ዮም።
ኣፍልጦ ምሃብ፡- ነዚ ቕልውላው ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ፣ ብሕብረት ኣፍሪካ ፣ ብናይ ነበር ፕሬዝዳንት ናይጄርያ ክቡር ኦሊሰንጎ ኦባሳንጆ ዝተመርሐ ናይ ሕብረት ኣፍሪካ ላዕለዋይ ፓነል፣ ብናይ ነበር ፕሬዝዳንት ኬንያ ክቡር ኡሁሩ ኬንያታን ብናይ ነበር ምክትል ፕሬዝዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ክብርቲ ዶክተር ፓሙዙላ ማለቡ ናጉኩ (Phumzile Mlambo-Ngcuka) ዝተገበረ ሓገዝን ፃዕሪን ኣፍልጦ ይህብ። ብተወሳኺ፣ ነዚ ናይ ሰላም ዘተ ብምትእንጋዱ ንመንግስቲ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ነቶም ተዓዘብቲ እውን ኣፍልጦ ይህብ።
ግምት ምእታው፡- ኣብ ፍትሒ፣ መዓርነት፣ ሰብኣዊ መሰለን ሕጊ ምኽብራን ዝተደረኸ፣ ንኹሉ ኣብ ዝሓቁፍ ዲሞክራሲያዊ ሕብረተሰብ ውሽጢ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሰላምን ብኽብሪን ናይ ምንባር ድልየት ከም ዘለዎ ኣብ ግምት ምእታው።
መንግስቲ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያን(መንግስቲ)ን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት) ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ተስማሚዖም ኣለው፡፡
ዓንቀፅ 1 - ሽቶታት/ዕላማታት
ናይ እዚ ስምምዕነት ሽቶታት/ዕላማታት ዝስዕቡ ‘ዮም:
1. ጠበንጃ ኣብ ምእባድን ምቹው ሃዋህው ኣብ ምፍጣርን ዝጠመተ፣ ንዘላቒ ሰላም ሰረት ዝኸውን፣ ቕልጡፉን ቀዋሚን ተፃብኦ ደው ምባል ኽብፃሕ።
2. ብጎንፂ ምኽንያት፣ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ተቛሪፁ ዝነበረ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ናብ ዝነበሮ ምምላስ።
3. ናይ ፖለቲካ ኣፋላላይ ብጎንፂ ምፍታሕ ዝባሃል ነገር ምንፃግ።
4. ድሕንነት ንኹሉ ምውሓስ።
5. ጎንፂ ብዘላቂነት ጠጠው ምባል።
6. ምስ’ዚ ጎንፂ ተታሓሒዞም ንዝመፁ ጉዳያት
ዝፍትfhሎም ማዕቀፍ ምፍጣር።
7. ምስ’ዚ ጎንፂ ተታሓሒዞም ንዝመፁ ጉዳያት ተሓታትነት ዝህልወሉ ማዕቀፍ ምፍጣር።
8. ማሕበራዊ ምትእስሳር ዝህደሱሎምን ዕርቂ ዝወርደሉን ሃዋህው ምንባይ።
9. ኢኮኖሚያዊ ሕውየትን ዳግማይ ህንፀትን ምስላጥ።
10. መሰረታዊ ናይ ፖለቲካ ኣፋላላያት ንምፍታሕ ቃል ምእታው።
11. እዚ ስምምዕነት ከም ዝትግበር ንምቁፅፃርን ንምምስካርን ዘኽእል ኣግባብ ምፍጣር።
ዓንቀፅ 2- ንዘላቒ ተፃብኦ ደው ምባል ሰረት ዝኾኑ
መትከላት
ኽልቲኦም ወገናት ብዝስዕቡ መትከላት ክምርfh ‘ዮም: ሀ. ሉኣላዊነት፣ ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሓድነትን ፌደራላዊ
ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ(ፌዴሪኢ) ምኽባር።
ለ. ኣብ ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ንዝሰፈሩ ሕገ መንግስታዊ መትከላትን ኣግባባትን ሕጋዊነቶም ኣፍልጦ ምሃብን ምኽባርን።
ሐ. ንመሰረታዊ መሰል ደቂ ሰባትን ንዲሞክራሲያዊ እሴታትን መትከላትን ኽብሪ ምሃብ።
መ. ደሕንነት ዜጋታት ምሕላው።
ሰ. ኣብ ዲሞክራሲ፣ መረፃን ምምሕዳርን ዘሎ ናይ ኣፍሪካ ቅዋም ምኽባር።
ረ. ተሓታቲነትን ፍትሒን ብናይ ፌዴሪኢ ሕገ መንግስቲን ናይ ኣፍሪካ ናይ ስግግር ፍትሒን ፖሊሲ ማዕቀፍ ንክኾን ።
ሸ. ሓገዝ ንዝደልዮም ኹሎም ዓንቀፍቀፍ ዘይብሉ ሰብኣዊ ሓገዝ ምብፃሕ።
ቐ. ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ንሰብኣዊ ዕላማ ጥራሕ ምውዓል። በ. ዕርቂን ተሃድሶን ።
ተ. ረዲኤትን ዳግማይ ህንፀትን።
ቸ. ተፃብኦ ደው ምባልን ስዒቦም ንዝመፁ ናይ ሰላም ምዕራፋትን ንምትግባር ብተኣማኒነት መፅባዓ ምእታው።
ዓንቀፅ 3 - ብዘላቕነት ተፃብኦታት ደው ምባል
1. ኽልቲኦም ወገናት፣ ህፁፅን ዘላቒን ተፃብኦ ደው ንምባል፣ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅሮም ንዘለዉ ሓይልታት ወይ ድማ ዕጡቓት ንጥፈታቶም ደው ንኸብሉ ከም ዝገብሩ ክእውጁን ክትግብሩን ኣለዎም።
2. ካልኦት ተወሰኽቲ ነገራት ከም ዘለዉ ኾይኖም፣ እዙይ ናይ ኹሉ ዓይነት ዘላቒ ተፃብኦ ደው ምባል ነዚኣቶም የጠቓልል፣ ብሰላሕታ ይኹን ብግልፂ ዝግበሩ ጎንፂታት ደው ምባል፣ ፈንጂ ምቕባር፣ ሸርሒ፣ደብዳብ ኣየር፣ ቀጥታ ይኹኑ ተዛዋዋሪ ጎንፂታት፣ ነቲ ኻልእ ወገን ንምንዋፅ ብምሕሳብ ምሕንኳልን ወኪላት ምጥቃምን ወይ ድማ ነቲ ኻልእ ወገን ተፅባኢ ምስ ዝኾኑ ግዳማዊ ሓይልታት ልፍንቲ ምፍጣር ደው ክብሉ ኣለዎም።
3. ዘላቒ ተፃብኦ ደው ምባል ነዚኣቶም የጠቓልል: ፕሮፓጋንዳ፣ ጣቋ መደረ ፣ ናይ ፅላኣት ዘረባ።
4. ዘላቒ ተፃብኦ ደው ምባል፣ ኣብ ክልል ትግራይ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ናብ ዝነበሮ ንኽምለስን ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ወገናት ፖለቲካዊ ዘተ ንምግባርን መንገዲ ክኸፍት ‘ዩ።
5. ኣብቲ ክልል ህዝባዊ ግልጋሎት ንምምላስ ምቹው ሃዋህው ንምፍጣርን ነቶም ነበርቲ ከተማ ድሕንነቶም ንምንርግጋፅን፣ ናይ ፌደራል ሓይልታት ናብ ከተማ መቐለ ንኽምለሱ ኽልቲኦም ወገናት ተስማዕሚዖም ‘ዮም። እዙይ ማለት፣ ሰራዊት ምክልካል ሃገርን ኻልኦት ነቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ናይ ፌደራል ትካላትን ቕልጡፍ፣ ዓንቀፍቀፍ ዘይብሉ፣ ሰላማዊን ዝተዋደደን ምእታው ናብ መቐለ ክገብሩ ‘ዮም። እዙይ ድማ፣ ብዓንቀፅ 6(ሐ) መሰረት፣ ናይ ኽልቲኦም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ብዝገብሩዎ ኽፉት ናይ ርክብ መስመር ዝሳለጥ ‘ዩ።
ዓንቀፅ 4- ንሲቪልያን ፅላል ምዃን
1. ኽልቲኦም ወገናት ናይ ሲቪልያን ነበርቲ ሰብኣዊ መሰላት ክሕልዉን፣ ኢትያጵያ ኣባል ዝኾነትሉ ናይ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታት ከኽብሩን ኣለዎም።
2. ኽልቲኦም ወገናት፣ ብፍላይ ወሲባዊን ፆታዊን ጥቕዓታት፣ ኣብ ዕሸላትን ኣዋልድን ደቂ-ኣንስትዮን ኣረግቶትን ዝግበር ጥቕዓት፣ ናይ ቖልዑ ወታደራዊ ዕስከራን ታዕሊምን ክኹንኑዎ ኣለዎም። ስድራታት መሊሶም ክራኸቡ ‘ውን ክገብሩ ኣለዎም።
ዓንቀፅ 5 - ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ምግባር
1. መንግስቲ ፌዴሪኢ ምስ ሰብኣዊ ሓገዝ ውሃብቲ ትካላት ብምትሕብባር፣ ንደቂ ኣንስትዮ ህፃውንትን ኣረግቶትን ሓዊሱ ናቶም ንሓደጋ ዝተቓልዑ ሰባት ፀገም ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዕ ብቕልጡፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ከቕርብ ‘ዩ። እዙይ ክኾን ምእንቲ ድማ፣ ናይ ኽልቲኦም ወገናት ምትሕግጋዝ ከድልዪ ‘ዩ።
2. ኽልቲኦም ወገናት፣ ነኒባዕሎምን ምስ እዚ ጉዳይ ርክብ ምስ ዘለዎም ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ውሃብቲ ትካላትን ብምትሕግጋዝ፣ ስድራታት መሊሶም ንኽራኸቡ ክገብሩ ‘ዮም።
3. ናይ ፀጥታ ኩነጻጽ ብዝፈቐዶ ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንናይ ውሽጢ ዓዲ ተመዛበልቲን ስደተኛታትን ናብ ቦተኦም ናይ ምምላስን ናይ ዳግም ፅንበራ ስራሕቲ ክስርሕ ‘ዩ።
4. ሰብኣዊ ሓገዝ ንሰብኣዊ ዕላማ ጥራሕ ንኽውዕል ኽልቲኦ ወገናት ውሕስነት ክህቡ ‘ዮም።
ዓንቀፅ 6 - ዕጥቂ ምፍታfh፣ ምስንባት፣ ዳግመ- ፅንበራ ኽልቲኦም ወገናት:-
ሀ. ፌደራላዊት ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ሓደ ሓይሊ ምክልኻል ጥራሕ ከም ዘለዋ ኣፍልጦ ሂቦምን ተስማዕሚዖምን ‘ዮም።
ለ. ምስ ናይ ኢትዮጵያ ሕገ መንግስቲ ብዝሳነ መልክዕ፣ ናይ ህወሓት ተዋጋእቲ ዕጥቂ ዝፈትfhሉ ዝሰናበቱሉን ዳግመ-ፅንበራ ዝገብሩሉን ሰፊሕ ንድፊ ኣውፂኦም ክፍፅሙዎ ተስማዕሚዖምን ‘ዮም።
ሐ. እዚ ስምምዕነት ብዝተፈረመ ብ 24 ሰዓታት ውሽጢ፣ ብላዕለዎት ኣዘዝቲ ኽልቲኦም ወገናት ኽፉት ናይ ርክብ መስመር ክጣየሽ ተስማዕሚዖምን ‘ዮም።
መ. እዚ ስምምዕነት ብዝተፈረመ ብ 5 መዓልታት ውሽጢ፣ ኣብ መሬት ዘሎ ናይ ፀጥታ ኹነታት ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ህወሓት ተዋጋእቲ ዕጥቂ ዝፈትfhሉ ዝርዝርን ማዕቀፍ ንምምይያጥን ንምውሳንን፣ ናይ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ኣኼባ ንኽግበር
ተስማዕሚዖም ‘ዮም።
ሰ. ናይ ኽልቲኦም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ብዘውፅኡዎ ዝርዝርን ናይ ግዜ ሰሌዳን መሰረት፣ ናይ ህወሓት ትዋጋእቲ ዝውንኑዎም ከበድቲ ኣፅዋራት ናይ ምፍታሕ ስራሕ ብቕልጡፍ ክገበር ተስማዕሚዖም ‘ዮም። እቲ ናይ ግዜ ሰሌዳ ዝወፃሉ ኣፅዋር ምፍታሕ፣ ላዕለዎት ኣዘዚት ኣኼበኦም ካብ ዝወድኡ ዕለት ጀሚሩ፣ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ይዛዘም። እቲ ናይ ዓሰርተ መዓልታት ግዜ ገደብ፣ ብናይ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ለበዋን ብኽልቲኦም ወገናት ይሁንታን ክናዋሕ ይኽእል ‘ዩ።
ረ. ቕለልቲ ኣፅዋራት ሓዊሱ፣ ናይ ህወሓት ተዋጋእቲ ጠቕላላ ዕጥቂ ናይ ምፍትሕ ስራሕ፣ እዚ ስምምዕነት ብዝተፈረም ብ 30 መዓልታት ንኽጠናቐቕ ተስማዕሚዖም ‘ዮም።
ሸ. እቲ ናይ ምስንባትን ዳግመ–ፅንበራን ውጥን፣ ናይ ክልል ትግራይ ህግን ስርዓትን ናይ ምኽባር ድልየት ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዕ ከም ዝኾን ተስማዕሚዖም ‘ዮም።
ዓንቀፅ 7- ምትእምማን ዝፈጥሩ ስጉምቲታት
1. ህወሓት:- ሀ. ናይ ፌደራል መንግስቲ ሕገ መንግስታዊ በዓል መዚነት፣
ናይ ፌደራል መንግስቲ ኩሎም ኣካላትን ትካላትን ፣ ናይ እታ ሃገር ስራሕ መሳለጢታትን ትካላትን ዓለም ለኻዊ ዶባትን ምቁፅፃር፣ ናይ ፌደራል መንግስቲ ስልጣን ነዚኣቶም ዘጠቓልል ግን በዚኦም ጥራሕ ዘይተወሰነ ምዃኑ ከኽብር።
ለ. ኣብታ ዓዲ ንዘሎ ዝኾነ ይኹን ዕጡቅ ወይ ድማ ሓንኳሊ ጉጅለ፣ ካብ ምሕጋዝ ካብ ምድጋፍ ካብ ምትሕብባር ክቑጠብ።
ሐ. ሕገ መንግስቲን ሕግታትን ስርዓትን ዝሃቡዎም ግቡኣት ንኽፍፃሙ ምእንቲ፣ ፌደራል መንግስቲ ንመከላኽሊ ሓይሊ ፣ንፌደራል ሓይልታት ፀጥታን ትካላት ህጊ መኺበሪ ሓይልታት ናይ ምውፋር ሕገ መንግስታዊ ስልጣን ከም ዘለዎ ከኽብር።
መ. ካብ ምዕስካር፣ ካብ ምዕላም፣ ካብ ምውፋር፣ ካብ ምኽታት፣ ንጎንፂን ተፃብኦን ካብ ምድላው ኽቑጠብ። ሰ. ምስ ግዳማዊ ሓይልታት ዘይሕገመንግስታዊ መልእኽቲ ምልእእኣኽን ርክብ ምፍጣርን ሓዊሱ፣ ናይ ኢትዮጵያ ሉኣላዊነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ዘድክም ተግባር
ደው ከብል።
ረ. ዘይሕገመንግስታዊ ናይ መንግስቲ ልውጢ ፈተነታት ደው ከብል።
2. መንግስቲ ፌዴሪኢ
ሀ. ንናይ ህወሓት ተዋጋእቲ ዝዓለመ ወታደራዊ መጥቃዕቲ ምግባር ደው ከብል።
ለ. ብዝተስማዕምዑሉ ናይ ግዜ ገደብ ውሽጢ፣ መሰረታዊ ግልጋሎት ናብ ክልል ትግራይ ንምምላስ ከመዓራርይን ከሳልጥን።
ሐ. ብናይ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ፣ ንህወሓት ዝተውሃቦ ራዕዳዊ ዝብል ሽም ክላዓል ከማቻችው።
መ. ኣብ ክልል ትግራይን ኣብ ካልኦት ዝተጎድኡ ቦታታትን ንዘለዎ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት፣ ብቕልጡፍ ሓገዝ ክበፅሖም ምውፋርን ዓንቀፍቀፍ ዘይብሉ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ክገብር።
ዓንቀፅ 8 - ዓለም ለኻዊ ዶባትን ፌደራላዊ
መሳለጥያታትን
1. ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዓለምለኻዊ ዶባት ኢትዮጵያ ክሰፍር/ክዋፈር ‘ዩ።
2. ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ሉኣላዊነት ግዝኣታዊ ሙሉእነትን ድሕንነትን እታ ሃገር፣ ካብ ግዳማውያን ሓይልታት ንዝግበር ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ክካላኸለላ ‘ዩ። ካብ ክልቲኡ ሽነኽ እቲ ዶብ ድማ፣ ምትኹታኽን ሃንደበታዊ መጥቃዕትን ኣይክህሉን።
3. ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ፌደራል ፖሊስን ካልኦት ኣካላት ፀጥታ ፈደራል ኣብ ክልል ትግራይ ክልል ኣየር ኢትዮጵያ፣ደሕንነትን ፀጥታን በረራታት፣ ኩሉም ናይ ፌደራል ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት፣ዋና ዋና መሰረተ ልምዓታት ዝኾነ ከም ኤርፖርት፣ዓበይቲ መንገድታት ሙሉእን ውፅኢታዊን ቄፅፅር ክገብሩ’ዮም፡፡
ዓንቀፅ 9 - ፌደራላዊ ስልጣን ናብ ክልል ትግራይ ምምላስን ኣብ ፌደራላዊ ትካላት ውክልና
ምርካብን
1. ክልቲኦም ወገናት ፌደራላዊ ስልጣን ሓዊሱ ፌደራላዊ
ስምምዕነት...6
5
ዕዱም ጋሻ
‹‹ እዚ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ተግባር ምውዓሉ እቲ ቐንዲ ተጠቃሚ ንህዝቢ ትግራይ 'ዩ››
- ኣይተ ጎይቶኦም በርሀ
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ኣይተ ጎይቶኦም በርሀ ሓላፊ ቤት ፅfhፈት ዘፈር ፖለቲካዊ ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ትግራይ ‘ዮም ፤ መጀመርታ ኣብ 1999 ዓ.ም ፓርቲ ዓረና ካብ ዝመስረቱ ሰባት ሓደ እንትኾኑ ኣብቲ እዋን ብሰንኪ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ፍትሒ ስኢኑ ስለ ዝነበረ ምስ መሓዙቶም ኮይኖም ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ እናተንቀሳቐስኩ ንምስራfh ፈቲዮም’ዮም። ኮይኑ ግና ከምቲ ዝሓሰብዎ ክጓዓዘሎም ኣይካኣለን:: ኣባላቶም ይንገላትዑን ካብ ስራfh መንግስቲ ይባረሩን ከምዝነበሩ ይዝክሩ። ምስ ህዝቢ ማfhበራዊ ርክብ ከይህልዎም’ውን ይገበር ከምዝነበረ ይገልፁ። ብፍላይ ህዝባዊ ጎስጓሳት ኣብ ዝገብረሉ እዋናት ዕንቕፋታት ይበፅfhዎም ስለ ዝነበሩ ካብዚ ፅዕንቶ ንምውፃእ ነፃነት ከምዘድሊ ብምእማን ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ(ዴምህት) ተመስሪቱ ስለ ዝነበረ ካብ ዓረና ወፂኦም ናብ ዴምህት ተፀምቢሮም። ዴምህት ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ዕጥቓዊ ቓልሲ ዘካይድ ዝነበረ ሓይሊ እንትኾን ኣብ ዴምህት ካብ ተራ ተጋዳላይ ክሳብ ማእኻላይ ተጋዳላይ ኮይኖም ይነጥፉ ከምዝበረ ይfhብሩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ንህዝቢ ትግራይ ዘድልዮ ሰላም ጥራfh 'ዩ ፤እዚ ዝተረኸበ ናይ ሰላም ተስፋ ናብ ተግባር ብምምፃእ ኣብ ፀገም ዘሎ ህዝብና ነፃ ክነውፅእ ይግባእ ይብሉ:: ምስ ኣይተ ጎይቶኦም በርሀ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዝገበርናዮ ቃለ መfhትት ከምዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ። ሰናይ ንባብ።
ወጋfhታ ፡- ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ዘለዎም ርኢቶ እንታይ ይመስል ?
ኣይተ ጎይተኦም፡- ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ዉድብ ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ደስ ዝብል ዜና 'ዩ ነ:: ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኹናት ዝራኣዮን ዝተሳተፈሉን 'ዩ ነይሩ:: ኹናት ከምዝፍለጥ በላዒ ህይወትን ኣውዳሚ ንብረትን 'ዩ:: ካብ ኹናት ምንም ኸስቢ ከምዘየለ ንኹሉ ዝርደኦ 'ዩ:: ካብዚ ብምብጋስ ፌደራል መንግስቲ ይኹን ዉድብ ህወሓት ንመጀመርያ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝገበርዎ ስምምዕነት ሰላም ዳሓራይ ድማ ኣብ ኬንያ ኣብ ናይ ክልቲኦም ወታደራዊ ሓለፍቲ ዝገበርዎ ናይ ሰላም ስምምዕነት ፅቡቕ ተስፋ ዝሃበን ዓብይ ዜና 'ውን 'ዩ ኾይኑ:: ብፍላይ ድማ ንሕና ከም ኢትዮጵያውያን ትግራይ 'ውን ሓንቲ ኣካል ኢትዮጵያ ስለዝኾነት ሕድ ሕድና ኣብ ጠረንጴዛ መፂና ኢህን ምሂን ክንብልን ከምቲ ዘተ ሰላም ዝተሰማዕምዑ ንሕናውን ኣብዚ ሰላም ኣብ ምፍጣር ክሰርሕ መገዲ ዝኸፈተልናን ትምህርቲ ዝወሰድናሉን 'ዩ:: እዚ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ እንተይኾነስ ንህዝቢ ኢትዮጵያ 'ውን ዝበለፀ ረብሓ 'ዩ ዘለዎ:: ስለዚ እዚ ዘተ ሰላም ንኢትዮጵያ ኾነ ነቲ ኣብ ፀገም ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ዓብይ ተስፋ ሃዋህው ሒዙ ዝመፀ 'ዩ ::
ወጋfhታ፡- እቲ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ንክኸውን ካብ ክልቲኦም ወገናት እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ?
ኣይተ ጎይቶኦም፡- ቅድሚ ኸዚ እናራእናዮ ከምዝመፃና ኣብ ዓለም ናይ ሰላም ዝርርብ ዝግበርን ልሙድን 'ዩ:: ድሕሪ ዝተፈላለየ ጎንፂ ኣብ ክልተ ወገናት ንሰላም ስምምዕነት ፊርመኦም ዘዕርፍሉ ኣጋጣሚ ብዙሕ 'ዩ:: ኸዚ ዝተገበረ 'ውን እዚ 'ዩ:: ኾይኑ ግና እዚ ኹሉ ከይዲ ምስ ሓለፈ ኣብ መሬት ወሪዱ እንድሕር ዘይተጠቒምናሉ ዝኸሸፈሉ 'ውን ኣጋጣሚ ስለ ዘሎ ዳግማይ ናብ ኹናት ዝኣተዉሉ ኣብ ዓለም ታሪኽ ርኢና ኢና:: እዚ ድማ ኣባና ከይኸውን ካብቲ ዝሓለፈ ዕንወትን ምጥፋእ ህይወትን ተማሂሮም ክልቲኦም ኣካላት እቲ ዝተሰማዕማዕሉ ጉዳይ ኣብ ባይታ ኣውሪዶም ንክሰርሕሉ ትፅቢት 'ዩ ዝግበር:: ህዝቢ 'ውን እዚ 'ዩ እናተፀበየ ዘሎ:: ዝምልከቶም ኣካላት ድማ ኣብዚ ተሳትፎኦም ክዋፅኡ ኣለዎም:: ኣቦታት ሃይማኖት ፣ ዓበይቲ ዓድን ዝኣመሰሉን ዓብይ ጎስጓስ ከካይዱ ኣለዎም:: ጎስጓስ ጥራሕ 'ውን ኣይኮነን ነዞም ክልቲኦም ኣካላት ናብ ሰላም ንክመፁን ተግባራዊ ንክገብርዎን ፅዕንቶ ክፈጥሩ አለዎም:: እዞም ኣካላት እታ ዝፈረምዋ ውዕል ኣብ ባይታ ከሪኡና ኣለዎም:: እንድሕር ኣብ ባይታ እንድሕር ዘይተሪኡ እቲ ህዝቢ 'ውን ናብ ተስፋ ምቑራፅ 'ዩ ዝኸይድ:: እዚ ማለት ድማ ህወሓት ዝፈረምዎ ውዕል ኣሎ ፣ እዚ ድማ እቲ ሓደ ዕጥቂ ምፍታሕ 'ዩ እዚ ንክኸውን ምስ ህዝቢ ክዛተይን ከእምንን ኣለዎ:: ኸዚ ሓደ ሓደ ምድንጋራት እናተርኣዩ 'ዮም:: እዚ ድማ ቕድመ ኩነታት እናውፃእኻ ከምዚ እንተኾይኑ ከምዚ ዝብል ነገር ኣሎ:: ግና ኣብታ ኬንያን ደቡብ ኣፍሪካን ዝፈረምዋ 'ዩ ተግባራዊ ክኸውን ዝግባእ::
ወጋfhታ ፡- እዚ ስምምዕነት ሰላም ተፈፃሚ ንክኸውን ካብ ህዝቢ ትግራይ ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያን ከምኡ 'ውን ካብ ፖለቲከኛታት ትግራይ እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ?
ኣይተ ጎይቶኦም፡- እቲ ዓብይ ጉዳይ እዚ 'ዩ:: ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ህዝቢ ሰላም 'ዩ ዝደሊ:: ኣብ ዝሓለፈ ብሰላም ሚኒስትር ዝተገበረ ዘተ 'ውን ካብ ኹሉ መዳያት ዝተወፃፅኡ ኣካላት ዝነበረ መድረኽ ከም ሓደን ዓብይ ጉዳይን ገይሮም ኣፅንኦት ሂቦም እናተዛተይሉ ዝነበሩ እዚ ሰላም ስምምዕነት በቢ ዘለናዮ በቢ ስራሕ ዘፈርና ብዛዕባ ሰላምን እታ ዝተረኸበት ሃዋህው ሰላም ተጠቂምና ናብ ተግባራውነቱ ንክንመፅእ ንህዝቢ ክጉስጉሱ 'ዩ እቲ መመርሒ ዝተውሃም:: ፖለቲካ ፓርቲ 'ውን እቲ ናይ ፅልኢት ንግግር ገዲፍካ ኣብ ሰላምን ሰላም ዘድሀበ ሓበሬታ 'ዩ ክጋዋሕ ዘለዎ:: ንፌደራል መንግስትን ህወሓትን ድማ ናብ ሰላም ክመፁን ተግባራዊ ክገብርዎን ፅዕንቶ ክብርሎም ኣለዎም:: ካብ ፖለቲካታት ትግራይ ክልተ ዓይነት ሓይሊ 'ዩ ዘሎ:: እቲ ናይ ህወሓት ዘሎ ኣካይዳ ኣጀንዳ ዘጋዉfh ዉድባት ፣ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘለዋ ፓርትታት ድማ ብዛዕባ ሰላም ጭቡጥ ዝኾነ መገዲ ንክመፅእ ፅዕንቶ ከሕድር ክንቀሳቐሳ ኣለወን:: ብፍላይ ድማ ህወሓት እታ ዝፈረማ ነገር ብቕልጡፍ ናብ ባይታ ከውርዳ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኣለዎ:: ኹሎም ፖለቲካ ውድባት ሰላም ሰላም ምዝማሮም ኣብ ፀገም ዘሎ ህዝቦም ምድሓን ማለት 'ዩ:: ከምቲ ኣብ እዋን ኹናት ኣብ ጎኒ ፌደራል መንግስቲ ዝኾነ ኸዚ 'ውን እታ ተረኺባ ዘላ ሃዋህው ሰላም ናብ ባይታ ንክትወርድ ክንሰርሕ ኣለና::
ወጋfhታ፡- እቲ ስምምዕነት ሰላም ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ረብሓ ከመይ ይገልፅዎ?
ኣይተ ጎይቶኦም፡- ሰላም ናይ ኹሉ መሰረት 'ዩ እንብል ነዚ 'ዩ:: መወዳደርቲ መማዝንቲ ኣልቦ 'ያ:: ካብ ሰላም ኹሉ ነገር ይርከብ 'ዩ:: እዚኣ ናይ ሰላም ስምምዕነት ሰላም ምርካባ ድማ ኣብ ትግራይ እንሰምዖ ዘለና ብሰንኪ ኹናት ኣጋጢሙ ዝነበረ ናይ ዋጋ ናህሪ ብፍርቂ ናይ ምቕናስ ፣ ካብ ዓሰርተ ሸውዓተ ሽሕ ዝነበረ እኽሊ ናብ ሽድሽተ ሽሕ ዝወረደሉ ኩነታት 'ዩ ዘሎ ::ነጋዳይ 'ውን ንባዕሉ ኩነታት ሰላም እናራኣየ 'ዩ ዝቕንስን ዝውስኽን እዛ ጉዳይ ሰላም ምስ ዝተሰምዐት ኩሉ ናውቲ ናይ ምቕናስ እናርኣየ መፂኡ 'ዩ:: እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ፤ ካብ ሰላም ብዙሕ ነገር ኢኻ ትረክብ፤ እቲ ሓደ ካብቲን ናብትን ናይ ምንቅስቓስ ዕድል ሰፊሕ 'ዩ ዝኸውን:: እናረእና መፂና ኢና ብሰንኪ ሰላም ምስኣንን ሕማቕ ኩነታትን ካብ መቐለ ሃገረሰላም ካብ መቐለ ውቕሮ ዘይንቀሳቐስ ማሕበረሰብ 'ዩ ነይሩ:: ኸዚ ግና እቲ ህዝቢ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ናይ ምንቅስቓስ ኣጋጣሚ ክፍጠረሉ ኣለዎ:: ካብ ቦታ ናብ ቦታ ናይ ምዝውዋር መሰሉ ክንፈግ የብሉን::
እቲ ካልኣይ ዝዓነወ መሰረታዊ ልምዓት ንምምላስ 'ውን ጥጡዕ ባይታ ዘመቻችው 'ዩ:: እንትህነፁ ብዙሕ ዓመታት ዝወሰዱ ግና ብምኽንያት ኹናት ብዉfhድ ግዜ ከምዘይነበሩ ዝኾኑ መሰረተ ልምዓት ብዙሓት 'ዮም:: እዚ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ንባዕሉ እቲ ቀንዲ ኣድላይ ሰላም 'ዩ:: ዝለኣኽ ሰብኣዊ ሓገዝ ድማ ብሰፊfh ኣትዩ ኣብ ፀገም ዘሎ ህዝቢ ንክድሕን ሰፊሕ ዕድል 'ዩ
ዝኸፍት:: ብዋሕዲ ምግቢ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢን ብፍላይ ድማ ህፃናትን ሽማግለታትን ብቕልጡፍ ክበፅሓሎም ንምግባር እዚ ሰላም ኣድላይ 'ዩ:: ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ 'ውን ዘጠናኽር 'ዩ:: ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ኣምሓራን ዓፋርን ዝተርኣየ ምቅሕሓር ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ፣ ኣብ ንግዲ ኾነ ካልኦት ማሕበራዊ ህይወቶም ንክምለሱ ንምግባር እዚ ሰላም ስምምዕነት ዓብይ ዕድል 'ዩ ዝህብ:: ሓድነት ኢትዮጵያ 'ውን ንክጥንክር ዝገብር ተስፋ 'ዩ:: ስለዚ ህወሓት እዚ ሰላም ተቐቢሉ ኣብ ተግባር ኣውዒሉ እንድሕር ሰሪሕላ ንህዝቡ ነፃነት ሂቡ ማለት 'ዩ:: ብሰንኪ እዚ ኹናት መድሓኒት የለን ፣ ህፃናትን ኣለዉ ፣ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ወገናትና ኣለው ፣ ሽማግለታት ኣለዉ እዚኦም መድሓኒት ረኺቦም ህይወቶም ከድሕንሉ ዝኽእልሉ መገዲ ምእንተ ህዝቢ ክባሃል እዚ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ክኸውን ኣለዎ::
እዚ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ንክኸውን ህዝቢ ትግራይ 'ውን ግቡኡ ክዋፃእ ኣለዎ:: ህዝቢ ትግራይ ካብ ኹሉ ንላዕሊ ሰላም ደላይ ህዝቢ 'ዩ:: ደቁ ናብ ኹናት ካብ ምስዳድ ናብ ትምህርትን ልምዓትን ምልኣኽ 'ዩ ዝደሊ:: ካብ ኹናት ምንም ረብሓ ከምዘይርከብ ይፈልጥ 'ዩ፣ስለዚ እዚ ሰላም ናብ ተግባር ንምምፃእ ክደፍእ ኣለዎ:: ምንም ይኹን ምንም ቅድምያ ክዋሃብ ዘለዎ ንድሕንነት ህዝቢ 'ዩ:: ምስ ህዝቢ ዘተ ገይርካ ፍታሕ ይርከብ 'ዩ:: ስለዚ ህዝቢ ትግራይ እዚ ሰላም ስምምዕነት ናብ ተግባር ንምምፃእ ኣብ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ:: ኣብ ፀገም ዘሎ ህዝቢ ናብ ንቡር ናብርኡ ክምለስ ኣለዎ:: እዚ ንክኾን ድማ ካብ ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ጥራሕ ትፅቢት ዝግበር እንተይኾነስ ካብ ህዝቢ 'ውን እቲ ዓብይ እጃም ከበርክት ትፅቢት ይግበር:: እቲ ዝካየድ ዘሎ ጎንፂ ህድእ ብምባል ረብfhኡ እንታይ 'ዩ ፣ መጨረሽኡ ናብይ 'ዩ ኢሉ ክሓትት ይግባእ:: ናይ ኹናት መጨርሽኡ ሰላም 'ዩ:: ኣብ ማእኸል ግና ህዝቢ መከራ ተቐባላይ 'ዩ:: ኹልግዜ ንሰላም ቁሩብ ብዝኾና ራህዋን ቅሳነትን ህዝቢ 'ዩ ዝመፅእ::
ወጋfhታ፡- ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ኣብ ዝኣተዎሉ እዋን ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንከቃልል ከምዝኾነ ተረዲኡ ብኸመይ ክቕበሎ ይግባእ ይብሉ ?
ኣይተ ጎይቶኦም፡- ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል እምነት ንከየሕድር ብዙሕ ስራሕቲ ተሰሪfh
'ዩ:: ግና መከላከያ ንሕገ መንግስቲ ተገዛኢ ኾይኑ 'ዩ ዝሰርሕ፤ ሕገ መንግስቲ ድማ ንህዝቢ ማእኸል ገይሩ 'ዩ ዝሰርሕ:: ኣብዚ ኸዚ መከላከያ ኣብ ዝተቆፃፀሮ ቦታ 'ውን ዝተፈላለየ ሓገዛት እናገበረ ከምዝኾነ እናርኣየ 'ዩ:: ቅድሚ ኸዚ 'ውን ንህዝቢ ትግራይ እናሓገዘ ነይሩ 'ዩ፣ኸዚ 'ውን እናቀፀለሉ 'ዩ:: ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ፖለቲከኛታት ንባዕሎም ኣጀንዳ ንምጥቃም ኢሎም ዝተዛረብዎ ብምግዳፍ ኣብ ጎኒ መከላከያ ኾይኑ ስራሕቲ ክሰርሕ ኣለዎ:: ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ኸዚ መጥቀሚ ፖለቲካ ፕሮፖጋንዳ ምዃን ገዲፉ ናብ ስርfh ክኣቱ ኣለዎ
:: ዝጠቕሞን ዝጎድኦነ ባዕሉ እቲ ህዝቢ ክፈሊ ኣለዎ::
ወጋfhታ፡- ሓደ ሓደ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ብፍላይ ‹‹ምፍታfh ዕጥቂ›› ተቃውመኦም እናስምዑ 'ዮም ፤ ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ እንታይ ይመስል?
ኣይተ ጎይቶኦም፡- እዚ ብኽልተ ዓይነት ኢና ክንርኦ ንኽእል :: እቲ ሓደ ንፁህ ዳያስፖራ ኣሎ ብስግኣት ዝሪኦ:: እቲ ካልእ ድማ ብናይ ባዕሉ ጥቕማጥቕሚ ብምሕሳብ ዝቃዎም ኣሎ:: ትማሊ ህወሓት ኣብ ስልጣን እናሃለወ ነዛ ዓዲ ኣብ ዝበልዑላ እዋን ካብኡ ተጠቀምቲ ዝነበሩ ናይ ዲያስፖራ ኣካላት 'ውን ኣለዉ:: ኣብዚ ሐዚ እዚ ሰላም ስምምዕነት ኣይንቕበልን ዝበሉ እዚኣቶም 'ዮም ይፍለጡ 'ዮም:: ነዚ ሰላም ዘረግቲ ንሳቶም 'ዮም፤እቶም ቀንደኛት ተሓተቲ ድማ ንሳቶም 'ዮም ዝኾኑ:: ናዚኣቶም ጥቕሚ የብሉን::
እቲ ናይ ስግኣት ‹‹ሰራዊት ኣምሓራን ኤርትራን ኣሎ፤ ከይወፀ ኣይንፈትሕን›› ዝብል ስግኣት 'ዩ:: እዚ ስግኣት ካብ ምርግጋዕ ኣንፃር ዝተልዓለ 'ዩ:: እንተኾነ እቶም ዝቃወሙ ዘለዉ ዳያስፖራታት እዚ ሰላም እንድሕር መፂኡ እቲ ጥቕሚ ክረኽቡ ስለዘይኽእሉ ብምንም ተኣምር እዚ ተረኹቡ ዘሎ ኣጋጣሚ ክቕበሉዎ ኣይኽእሉን::
ወጋfhታ፡- እቶም ዝቃወሙ ዘለዉ ኣካላት ህዝቦም ካብ ዝኣተዎ ፀገም ንክወፅእ እንታይ ዓይነት ግደ ከወፍዩ ኣለዎም ይብሉ ?
ኣይተ ጎይቶኦም፡- ቅንዕና እንድሕር ሃልይዎም፣ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ኣብ ተግባር ንክውዕል ክድግፍኡ ኣለዎም::
‹‹ እዚ ስምምዕነት...6
ዕዱም ጋሻ
‹‹ እዚ ስምምዕነት...
እዚ ድማ ኣብ ተግባር ምውዓሉ ድማ ንካልእ እንተይኾነስ ንናይ ባዕሎም ህዝቢ ረብሓ ክባሃል 'ዩ:: ንሳቶም እንድሕር ንህዝቦም ዘይደገፉ ኣብዚ ሰዓት ህዝቦም ካብ ኣቲዎ ዘሎ ፀገም እንድሕር ዘየውፂኦም መዓዝ እሞ ክሕግዝዎ:: እዚ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ተግባር ምውዓሉ እቲ ቐንዲ ተጠቃሚ ንህዝቢ ትግራይ 'ዩ:: ምኽንያቱ ዝብላዕ፣ ሕክምናን መድሓኒትን ስኢኑ እናተሳቐየ ዘሎ ናትና ህዝቢ 'ዩ:: ግና እዚ ፌደራል መንግስቲ እናነቐፍካ ዝኾነ ጉጅለ እናወደስኻ እንድሕር ኾይኑ ግና ህዝብኻ ባዕልና ኢና ናብ ዝገደደ ፀገም እንእትዎ ማለት 'ዩ:: ስለዚ ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ተቃወምቲ ኢና በሃልቲ ናብ ቀልቦም ተመሊሶም እንድሕር ብትኽክል ንህዝቢ ትግራይ ተቆርቖርቲ እንተኾይኖም እዚ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ኣብ
ዝኾነሉ ጉዳይ ኣወንታ ዝኾነ መልሲ ብምሃብ ክሳተፉ ኣለዎም:: እዚ ጉዳይ ፖለቲካ ኣይኮነን፣ ኣብዚ ሰዓርን ተስዓርን ዝባሃል ነገር የለን:: እዚ ስምምዕነት ንኹሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝጠቅምን ሃገር ከም ሃገር ፀኒዓ ናብ ልምዓት እትጓዓዘሉ መገዲ ዝኸፈተ 'ዩ:: እዚ ዕድል ድማ ይትረፍ ንሓንቲ ኣብ ዕብየት ዘላ ሃገር ዓበይቲ ሃገራት 'ውን ዝብህገኦ ኣንፈት 'ዩ:: እዚ መገዲ ሰላም ንምቕባልን ተግባራዊ ኣብ ምዃን ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ተጋሩ ዓብይ ሓላፍነት ትፅቢት ይግበረሎም::
ወጋfhታ ፡- ምስ እዚ ኩነታት ተተሓሒዙ ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከfhልፍዎ ዝደልዩ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም ?
ኣይተ ጎይቶኦም፡- ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ከሕልፎ ዝኽእል መልእኽቲ እዛ ተረኺባ ዘላ ዕድል ሰላም
ንጠቐመላ :: እዛ ኣጋጣሚ ታሪኽ 'ያ:: እዛ ሰላም ስምምዕነት እንድሕር ኣብ ተግባር ኣውዒልናያ እዚ ኹሉ ዝሓለፍናዮ ፀገምን ክፉእ ኩነታት ብፅቡቕ ኣጋጣሚ ክሽፍነና ይኽእል 'ዩ:: ፅቡቕ ታሪኽ ናይ ምሽፋን ዓቕሚ ክህልዎ 'ዩ:: እቲ ብምኽንያት ኹናት ዝተጎድአ ህዝቢ 'ውን ናይ ምክሓስ ዓቕሚ ዘለዎ 'ዩ:: እቲ ዝሓለፈ ሓሊፉ 'ዩ ኸዚ ሓዱሽ መገዲ ክንጅምር ኣለና:: ዝተጀመሩ መሰረተ ልምዓት ክቕፅሉ ኣለዎም፣ ተምሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ ፣ ሰራሕተኛ ናብ ስርfh ፣ ሓረስታይ ናብ ማሕረሱ ብምኻድ ድሕንነት ሃገር ከነረጋግፅ ኣለና:: ንመፃኢ ወለዶ ክንሓስብ ኣለና:: ደቅና እንታይ ኢና ክነውርሶም ? እንታይ ዓይነት ታሪኽ ኢና ክገድፈሎም ? ዝብል ሕድ ሕድና ሓላፍነት ወሲድና ክንጓዓዝ ኣለና:: ኣብዚ ንኽልተ ዓመት ዝተፈጠረ ጎንፂ ንጎኒ ገዲፍና ብሰላምን ይቅርታን ተዛዚሙ ታሪኽ
ንምዝራብ 'ውን ኣይንሓፍርን:: እቲ ሓድሽ ወለዶ ድማ ይቅርታን ፀገማት ናብ ጠረጴዛ ኣምፂኻ ምዝታይ ነምህሮለና ማለት 'ዩ:: ናይ ኹናት መጨረሻ ስምምዕነት ሰላም 'ዩ:: ሃገር ክቕፅል ኣለዎ :: ሃገር ጠጠው እትብል ብሓይሊ መንእሰይ 'ዩ:: ኾይኑ ግና ብኹናትን ስደትን መንእሰይ እንድሕር ነጥፍእ ኾይና ዕብየት ሃገር 'ውን ብእኡ ልክዕ 'ዩ ዝዕገት:: ሓዱሽ ወለዶ ንምፍጣር ሓድሽ ኣተሓሳስባ ሒዝና ክንመፅእ ኣለና :: እዚ ንምግባር ድማ ካብ ሰላምን ምርግጋዕን 'ዩ ዝፍጠር:: ስለዚ እዘ ስምምዕነት ሰላም ንዓና ኢትዮጵያውያን ዓብይ ተስፋ ስለዝኾነ ኹላትና ተሓባቢርና ኣብ ተግባር ክነውዕል ንግበር ይብል::
ወጋfhታ ፡-ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን:: ኣይተ ጎይቶኦም ፡- ኣነ 'ውን የመስግን::
‹‹ነቲ ስምምዕነት ሰላም...
ዝተበፅሐ ስምምዕነት
ኣይተ ሲራክ ኣማረ (ወዲ ሻምበል) ኣፍሊጦም:: ስምምዕነት ሰላም ዝቃወሙ ፅንፈኛታት ዕላምኦም ክኸሽፍን ውዲቶም ክቃላዕን ምግባር ይግባእ ክብሉ ድማ ወሲኾም ገሊፆም::
ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ንኽዕወት ፓርትታት ፖለቲካን ህዝብን ክሕግዙ ይግባእ ዝበሉ ኣይተ ሲራክ፣ እቲ ስምምዕነት ሰላም ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝፀንሐ ዘይግቡእ ጥርጣረ ንኽእለይ ዓቕሚ ዝህብ ‘ዩ ዝብል ዓብዪ ተስፋ ከም ዘለዎም ኣረዲኦም:: እዚ ስምምዕነት ሽትኡ ዝወቅዕን ኢኮኖሚ ዝመሓየሽን ናብ ባይታ ወሪዱ እንትትግበር ‘ዩ ክብሉ ድማ ኣመላኺቶም::
ኣብ ክልል ትግራይ...
ኣብ ኲናት እቲ ዋና ጉድኣት ዝበፅሕ ኣብ ወተሃደርን ዝዋጋእ ኣካልን ጥራሕ ኣይኮነን እኳድኣስ ዝያዳ ኣፍቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ልዑል መጉዳእቲ ይበፅሖም:: ብሰንኪ ህወሓት ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ዝተገበረ ኲናት ህይወት ሰብ ጠፊኡ ‘ዩ፣ኣካል ጎዲሉ ‘ዩን ንብረት ዓንዩ ‘ዩ::ብሓፈሻ እቲ ኲናት ሃፍቲ ሃገር ኣዕንዩ ‘ዩ:: ይኹን ‘ምበር እቲ ኲናት ጠጠው ንኽብል ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶሪያ ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም
ብምምላስ ብዘላቂነት ንምጥያሽ መንግስቲ ኣተሓባበርቲ ኮሚቴ መዲቡ እናሰረሐ ምዃኑ ዝገለፁ ዶክተር ሽፈራው፤ ስሩዕ ግልጋሎት ካብ ምጅምር ጎና ጎኒ ድማ ዜጋታት ናብ ስሩዕ መነባብሮ ሂወቶም ክሳብ ዝምለሱ ሰብኣዊ ሓገዛት ተጠናኺሩ ንኽቅፅል እኹል ምድላዋት ተገይሩ ‘ዩ ኢሎም።
ህወሓት ዕጥቂ ንምፍታሕን ንመንግስቲ ፌደራል ኣፍልጦ ሂቡ ብሰላም ንምንባር ምውሳኑ ዓብዪ እፎይታ ‘ዩ::ልዕሊ ኹሉ በዚ ስምምዕነት ተጠቃሚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ::
ስምምዕነት ሰላም ተፈሪሙ እንትበሃል ኢትዮጵያውያን እናርአይዎ ዘለዉ ፍቕርን ድጋፍን ዝገርም ‘ዩ::ትግራይ ዳግም ንክትህነፅ ዘለዎም ልባዊ ድሌት ‘ውን እናተሰምዐ ‘ዩ:: ኾይኑ ግና ሎሚ ኣብ ኣደባባይ ዓለም ነቲ ስምምዕነት ሰላም ዝቃወሙ ውfhዳት ፅንፈኛ ዲያስፖራታት ካብ ህዝቢ ብዝተመዝበረ ሃፍቲ ዝጥቀሙ ዝነበሩ ‘ዮም::
እዞም ፅንፈኛ ዳያስፖራታት ብሞትን መከራን ህዝቢ ኹሉ ግዘ ኽስቢ ስለዝረኽቡ ሐዚ ጥቕሞም ስለ ዝጎደሎም ኣብ ኣደባባይ ምንክልላዮም ዘገርም ኣይኮነን ክብሉ ኣረዲኦም::
እዚ ዕላምኦም ንክኸሽፍ ኣብ ኣደባባይ ክነቃልዖም ይግባእ::ብፍላይ ድማ ትግርኛ ተዛረብቲ ዓብዪ ሓላፍነት ኣለና::ብርግፅ ኣብዚ ሐዚ እዋን ናይዞም ፅንፈኛ ዳያስፖራታት ዓቕሚ ተመናሚኑ ‘ዩ ምኽንያቱ ሓቂ እናበርተዐት ሕሶት እናመንመነት ስለ ዝመፀት ‘ዩ ኢሎም::
መንግስቲ ሃፍቲ ካብ ምትእኻብ ሓሊፉ ናይ ረድኤት ትካላት ዓቅሚ ንምጥቃም እናሰረሐ ከምዘሎ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያውያንን ተወለድቲ ኢትዮጵያውያንን መንግስቲ በቲ ኹናት ጉድኣት ዝበፅሖም ዜጋታት ንምሕጋዝ እናገበሮ ዘሎ ፃዕሪ ንክሕግዙ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ሓድነት ዘጣናኽር ‘ዩ ክብሉ ኣባል ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ኮማንደር ገ/መስቀል ወልደሚካኤል ገሊፆም፡፡
ኮማንደር ገ/መስቀል ንጋዜጣ ወጋሕታ ከምዝበልዎ፣ እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ስቓይን መከራን ህዝቢ ትግራይ ንኸብቕዕ ካብ ምሕጋዝ ሓሊፉ ሓድነት፣ ሰላም፣ ልምዓትን ሉኣላውነትን ሃገርና ንምርግጋፅ ዘኽእል ‘ዩ፡፡
ኣብ ሓንቲ ሃገር ሓደ ሰራዊት ክህሉን ኣብ ትግራይ ዝተገብረ መረፃ ካብ ኣፍልጦ ቦርድ መረፃ ወፃኢ ብምዃኑ ዳግማይ ንኽካየድ ዝብሉ ካብቶም ብሕገ መንግስቲ መሰረት ኣብ ስምምዕነት ዝተበፅሐሎም ነጥቢታት ምዃኖም ብምዝኽኻር፤ እዚኦምን ካልኦት ኣብቲ ስምምዕነት ዝተኻተቱ ሓሳባትን ኣብ ተግባር ኣብ ዝውዕልሉ ከም ሃገር ሰላምን ሓድነትን ዝፈጥሩ ኮይኖም ብፍላይ ድማ ትግራይ ገጢምዋ ካብ ዘሎ ፀገም ሓራ ከትወፅእ ዝገብሩ ‘ዮም ክብሉ ተዛሪቦም፡፡
በብኽልሉ ንሰራዊት ፌዴራል ዝፋዃኾር ዕጥቒ ዘለዎ ሓይሊ ምጥያሽ ካብ ሕገ መንግስቲ ወፃኢ ብምዃኑ ንሃገር ናብ ሓደጋ ዘእቱ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ኮማንደር፤ ናይ ክልል ሓይሊ ፀጥታ ንሰራዊት ፌዴራል ሓጋዚ ‘ምበር ዝፋታተን ኮይኑ ክጣየሹ ኣይግባእን ኢሎም፡፡
በዚ መሰረት ዕጡቕ ሓይሊ ህወሓት ክዕጠቖ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ዝተዓጠቐ ብምዃኑ ዕጥቒ ንምፍታሕ ኣብ ስምምዕነት ምብፀሖም ኣዝዩ ዝበራታታዕ ኮይኑ ነዚኦምን ካልኦት ኣብቲ
ስምምዕነት ንዝተኻተቱ ነጥቢታትን ናብ ባይታ ንምውራድ ኩሉ ክተሓባበር ይግባእ ኢሎም፡፡
ሰላምን ሓድነትን ህዝቢታት ክረጋገፅ ዝኽእል ሕገ መንግስቲ ክኽበር እንተሎ ‘ዩ ዝበሉ ኮማንደር ገብረመስቀል፤ ኣብ ሓንቲ ሃገር ሓደ ሰራዊት ጥራሕ ‘ዩ ክህሉ ዘለዎ ዝብል ኣብ ስምምዕነት ክብፃሕ ምኽኣሉ ኣጋጢሙ ንዝነበረ ጎንፂን ምልሕላሕ ሓድነትን ዝፈትሕ ‘ዩ፤ ናብዚ ኩሉ ጎንፂ ዝተኣተወ ሕገ መንግስቲ ክጠሓስ ብምኽኣሉ ‘ዩ ኢሎም፡፡
ዝኾነ ክልል ሕገ መንግስቲ ካብ ዝፈቕዶ ወፃኢ ዕጡቕ ሓይሊ ከጣይሽ የብሉን፤ ሕገ መንግስቲ ካብ ዝፈቕዶ ንላዕሊ ምዕጣቕ ሰላምን ሓድነትን እታ ሃገር ክናጋዕ ይኽእል ‘ዩ፡፡
ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ መረፃ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ካብ ኣፍልጦ ቦርድ መረፃ ወፃኢ ብምዃኑ ደጊምካ ንኽካያድ ኣብ ስምምዕነት ምብፅfh ንሰላምን ሓድነትን ዝጠቕም ‘ዩ፡፡ ዝመርሕ ኣካል ብሕገ መንግስቲ መሰረት ብህዝቢ ዝተመረፀ ክኸውን ኣለዎ፡፡
ስልጣን ብሓይልን ብዓመፅን ክኾን የብሉን፤ እዚ ንሃገርና ከቢድ ዋጋ እናኽፈላ መፂኡ ‘ዩ፤ ንበዝሕዚ ከይድገም ስልጣን ምሓዝ ሕገ መንግስቲ መሰረት ዝገበረ ክኸውን ኣለዎ፤ በዚ መሰረት ኣብዚ ጉዳይ እዚ ክልቲኦም ኣካላት ኣብ ስምምዕነት ክበፅfh ምኽኣሎም ኣዝዩ ዝድገፍን ዝነኣድን ‘ዩ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡
ኣብ መወዳእታ መንግስቲ እቲ ፀገም ቐልጢፉ ከብቕዕ ነቲ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ከቓላጥፎ ኣለዎ፤ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገም ብምህላዉ ብቕልጡፍ ናብ ባይታ ንምውራድ ኩሉ ክተሓጋገዝ ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡
ስምምዕነት ሰላም...
መሓውርን ትካላትን ናብ ትግራይ ንኽምለሱ ተስማዕሚዖም ‘ዮም።
2. ምስ ሕገ መንግስቲን ተፈፃሚነት ምስ ዘለዎም ሕግታትን ብዝሳነ መልክዕ፣ ኣብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽንን ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ሓዊሱ፣ ክልል ትግራይ ውክልና ንኽህልዋ፣ ፌደራል መንግስቲ ከሳልጥን ከረጋግፅን ‘ዩ።
ዓንቀፅ 10 - ናይ ስግግር ስጉምቲታት
1. ዓንቀፅ 7(2)(ሐ) ምስ ተተግበረ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን፣ ብመረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ ኣቢሉ ናይ ክልል ቤት ምኽሪን ናይ ተወከልቲ ህዝቢ ቤት ምኽሪን መረፃ እስካብ ዝግበር፣ ብኽልቲኦም ወገናት ብዝግበር ምይይጥ፣ ንኹሉ ዝሓቖፈ ክልላዊ ስግግር መንግስቲ ክጣየሽ ‘ዩ።a
2. ዓንቀፅ 7(2)(ሐ) ምስ ተተግበረ ድሕሪ ሓደ ሰሙን፣ ኽልቲኦም ወገናት ፖለቲካዊ ኣፋላላዮም ንምፍታሕ ዘኽእሎም ፖለቲካዊ ዘተ ክጅምሩ ‘ዮም።
3. ምስ ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ምስ ናይ ሕብረት ኣፍሪካ ናይ ስግግር ፍትሒ ፖሊሲን ብዝሳነ መልክዕ፣ ኣብ ተሓታቲነት፣ ኣብ ምፅራይ ሓቂ፣ ንግዳያት ፍትሒ ኣብ ምሃብ፣ ኣብ ዕርቂን ሕውየትን ዝተደረኸ መጠነ ሰፊሕ ናይ ስግግር ፍትሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክገብር ‘ዩ። ናይ ስግግር ፍትሒ ፖሊሲ ብጉጅለታት ሲቪክ ማሕበረሰብ ህዝባዊ ኣኼባታትን ብስሩዕ
ብሔራዊ ፖሊሲ ኣካይዳን ኣቢሉ ኹሎም መዳርግቲ ኣካላት ብዘሳተፈ ክቕረፅ ‘ዩ።
4. ጉዳይ ዘጫቓጭቑ ቦታታት፣ ምስ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝሳነ መልክዕ ክፍትfh ኽልቲኦም ወገናት ቃል ኣትዮም ‘ዮም።
ዓንቀፅ 11 - ምቁፅፃር፣ ምርግጋፅ፣ ቃል ምኽባር
1. እዚ ዘላቒ ተፃብኦ ደው ምባል ውፅኢታዊ ብዝኾነ መልክዕ ይትግበር ከም ዘሎ ንምቁፅፃር ንምርግጋፅ ቃል ንምኽባር ዘኽእሉ ኣግባባት ከቑሙ ኽልቲኦም ወገናት ተስማዕሚዖም ‘ዮም። ነዚ ኣመልኪቱ፣ ካብ ኽልቲኦም ወገንን ካብ ኢጋድን ተወከልቲ ዘለዉዎን ብሕብረት ኣፍሪካ ላዕለዋይ ፓነል ዝምራሕ ናይ ጥምረት ኮሚቴ ንምጥያሽ፣ ኽልቲኦም ወገናት ተስማዕሚዖም ‘ዮም።
2. ሕብረት ኣፍሪካ ብላዕለዋይ ፓነል ኣቢሉ፣ እዚ ዘላቒ ተፃብኦ ደው ምባል ብስምምዕነት ዓንቀፅ 3 መሰረት ይትግበር ምህላዉ ዝቋፃፀር ናይ ኣፍሪካ ናይ ኽኢላታት ጉጅለ ክምድብ ‘ዩ።
3. ሕብረት ኣፍሪካ ብላዕለዋይ ፓነል ኣቢሉ፣ ብዛዕባ እዞም ዓውድታትን ድሕረባይታ ናይቶ ኽኢላታትን ንኽልቲኦም ወገናት ከማኽሮም ‘ዩ።
4. ወታደራዊ ድሕረባይታ ዘለዎም ሓዊሱ፣ ናይ እቶም ኽኢላታት ንፁር ዕዮ እንታይ ከም ዝኾነ፣ ብሕብረት ኣፍሪካ ላዕለዋይ ፓነል ኣቢሉ ኽልቲኦም ወገናት
ክስማዕምዑሎም ‘ዮም።
5. ናይ እቶም ኽኢላታት ቑፅሪ ካብ ዓሰርተ (10) ክልዕል የብሉን። ተወሳኺ ኽኢላ ተድልዩ፣ ኽልቲኦም ወገናት ክሳማምዑ ኣለዎም።
6. ስልጣን ናይ እዞም ኽኢላታት፣ ካብ ዝተዋፈሩሉ ዕለት ኣትሒዙ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ዝፀንሕ ‘ዩ። እዚ ናይ ግዜ ገደብ፣ ብስምምዕ ኽልቲኦም ወገናት ክናዋሕ ይኽእል ‘ዩ።
7. ሕብረት ኣፍሪካ ብላዕለዋይ ፓነል ኣቢሉን ብስምምዕነት ኽልቲኦም ወገናትን፣ ንናይ እዞም ኽኢላታት ስራሕ ብናይ ሳተላይት ምስሊታት ክሕግዝ ‘ዩ።
8. እዙይ ናይ ኽኢላታት ጉጅለ፣ ነቲ ተፃብኦ ደው ምባል ዝጥሕሱ መርኣያታት ክረክብ ኸሎ፣ እቲ ዝምልከቶ ኣካል ነዚ ጥሕሰት ብቕልጡፍ ክእርሞ ከፍልጦ ኣለዎ።
9. ነቲ ኻልእ ወገንን ነቲ ናይ ጥምረት ኮሚቴን ‘ውን ከፍልጦም ኣለዎ። እቲ ጥሕሰት ብ 24 ሰዓታት ውሽጢ ተዘይተኣሪሙ፣ እቲ ናይ ጥምረት ኮሚቴ ነዚ ጥሕሰት ፍታሕ ክገብረሉ ምእንቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብላዕለዋይ ፓነል ኣቢሉ ኣኼባ ክፅውዕ ‘ዩ።
ዓንቀፅ 12 - ብእምነት ምፍፃም
1. ነዚ ስምምዕነት ብእምነት ክትግብሩን ምስ እዚ ተፃብኦ ደው ምባል ዘይሳነን ዘድክሞን ተግባር ካብ ምፍፃምን ንክቑጠቡ፣ ኽልቲኦም ወገናት ተስማዕሚዖም ‘ዮም።
2. ኽልቲኦም ወገናት፣ ሽቶ ናይ እዚ ተፃብኦ ደው ምባል ከጋውfh ‘ዮም።
ዓንቀፅ 13- ናይ ሓባር መግለፂን ርክባትን
1. ብዛዕባ ኣድላይነት እዚ ስምምዕነትን፣ ንሰላምን ንርግኣትን እዛ ሃገር ንኽሰርfh ዝኣተዉዎ ናይ ሓባር ቃልን፣ ኽልቲኦም ወገናት ናይ ሓባር መግለፂ ክህቡ ‘ዮም።
2. ብዝኾነ ዓይነት መልክዕ፣ ነዚ ስምምዕነት ከዳኽም ዝኽእል በይናዊ መግለፂ ንከይህቡ ኽልቲኦም ወገናት ቃል ኣትዮም ‘ዮም።
3. ብዝኾነ ዓይነት መልክዕ ብኽልቲኦም ወገናት ዝግበሩ ኹሎም ዕላዊ መግለፂታት፣ ነዚ ስምምዕነት ዝድግፉን ንኽትግበሩ ምእንቲ ባይታ ዘማቻችዉን ‘ዮም።
ዓንቀፅ 14- ዝትግበረሉ ዕለት
ብናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣቆፃፅራ ሰዓት 00:00፣ November 3rd, 2022፣ (23 ጥቅምቲ 2015ዓ.ም ምሸት ሰዓት 6፡00) ጀሚሩ እዚ ስምምዕነት ኣብ ተግባር ይውዕል።
ዓንቀፅ 15 - ምምfhያሽ ነዚ ስምምዕነትነት
ብናይ ኽልቲኦም ወገናት ብዝተፃሕፈን ዝተፈረመን ይሁንታ፣ እዚ ስምምዕነት ክመሓየሽ ይኽእል ‘ዩ። ተፈፀመ፡-ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዕለት
Novembre 2nd, 2022(23 ጥቅምቲ 2015ዓ.ም)፡፡
7
ወጋሕታ
ዜና
ሄርሞን ፍቃዱ
ኣብ መቐለ ስምምዕነት ሰላም ዝድግፍ ምርኢት ካርኒቫል ተኻይዱ
ኹሉ ማሕበራውን መሰረታውን ግልጋሎታት ናብ ንቡር ንኽምለስ ኹሉ ግድኡ ንኽዋፃእ
ኣዲስ ኣበባ፡-ብማሕበር ልምዓት ትግራይን ሰርከስ ትግራይን ዝተዳለወን ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ዝድግፍ ምርኢት ካርኒቫል ኣብ ከተማ መቐለ ኣካይደን፡፡
ኣፍቲ ምርኢት ብርክት ዝበሉ ሰገናት ሰርከስ ትግራይን ኻልኦትን ዝተረኸቡ እንትኾኑ ‹‹ካብ ኩሉ ንላዕሊ ሰላም 'የ ዝደልይ›› ዝብል መዝሙር እናስምዑን ስምምዕነት ሰላም ዝፈጠረሎም ሓጎስ ብፍሽኽታ ገሊፆም ‘ዮም፡፡
እቶም ዕሸላት ከም ዝበልዎ፣ እቶም ዝሓለፉ ኽልተ ዓመታት ብሰንኪ ስእነት ሰላም እናፈርfhን ክንመውት ዶ ንኸውን እናበሉ ብጭንቂ ከም ዘሕለፍዎ ብምዝራብ፤ሐዚ ዝሰምዕዎ ስምምዕነት ሰላም ግና ኣዝዩ ከም ዘሐጎሶምን ብቕልጡፍ ተግባራዊ ኮይኑ ትምህርቲ ክጅምሩ ከም ዝተሃንጠዉ ተዛሪቦም፡፡
ኣፍቲ ምድላው ዝተረኸቡ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ኣይተ ሙሉጌታ በላይ ከምዝበልዎ፤
ዘተሓሳሰቡ እንትኾኑ፤መተሓባበሪ ሰርከስ ትግራይ ኣይተ ደሳለኝ ባራኪ ድማ ሰላም ብፍላይ ንህፃውንትን ሰገናትን ኣዝዩ ወሳኒ ስለ ዝኾነ ብቕልጡፍ ናብ ተግባር ክእተውን ትምህርቲ ክጅመርን ኣተሓሳሲቦም፡፡
ብተመሳሳሊ ዜና ሓረስቶት ዞባ ደቡብ ምብራቕ በቲ ዝተፈጠረ ስምምዕነት ሰላም ዝፈጠረሎም ሓጎስ ድሕሪ ምግላፅ፤ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ዓመታት ኣዝዩ ብዙሕ ዘስካክሕ ፀገም ከም ዝሓለፉን ህይወት ብኣግባቡ ንምምራሕ ኣብ ዘስግእ ብርኪ ተበፂfh ከም ዝነበረ ድሕሪ ምዝራቦም፣ እቲ ሐዚ ተጀሚሩ ዘሎ ስምምዕነት ሰላም ናብ ታሕቲ ወሪዱ ክትግበርን ሓረስቶት ድማ ናብ ንቡር ስራሕቲ ማሕረስን ክኣትዉ ተዛሪቦም፡፡
እቶም ሓረስቶት እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶሪያል ዝገበረ ስምምዕ ሰላም ተጠናኺሩ ንኽቕፅልን እቲ ዝሓለፈ ሓሊፉ ሐዚ ናብ ዝሐሸ መነባብሮ ንኽእተዉ ተዛሪቦም፡፡
ሆስፒታል ቆቦ ብኽፋል ግልጋሎት ምሃብ ብምጅማሩ ተሓከምቲ ከምዘሐጎሶም ገሊፆም
ህዝቢ ትግራይ ስምምዕነት ሰላም ዝቃዎሙ ሓይልታት ከውግዝ ከምዘለዎ ተገሊፁ
ኣብርሃ ሓገስ
ኣዲስ አበባ፡- ቆቦ ቀዳማይ ብርኪ ሆስፒታል ብኽፋል ግልጋሎት ምሃብ ምጅማሩ ተሓከምቲ ከምዘሐጎሶም ገሊፆም።
ሪፖርተር ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ዘዘራረባ ኣብ ቆቦ ቀዳማይ ብርኪ ሆስፒታል ግልግሎት እናረኸበት ዝነበረት ኣለሚቱ ኣበራ ከምዝገለፀቶ፤ ሆስፒታል ብምኽፋቱ ሓዳር ንምግባር ንክትምርመር ከምዝመፀትን እቲ ሆስፒታል ብኽፋል ስራሕ ምጅማሩ ከምዝተሓጎሰትን ዝህቦ ዘሎ ግልጋሎት ተጠናኺሩ ብምቅፃል ነበርቲ ኣድላይ ዝኾነ ግልጋሎት ንክረኽቡ ተማሕፂና።
ቅድሚ ሕዚ ናይ ሕክምና ግልጋሎት ምርካብ ብዘይምኽኣሎም ብዙሓት ሰባት ከምዝተሰቃዩን፤ ክድሕኑ እናኸኣሉ ብስእነት መድሓኒት ክቡር ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ከምዘለው ወሲኻ ገሊፃ።
እቲ ሆስፒታል ስራሕ ተዘይጅምር ነይሩ መዋቲት'የ ነይረ ዝበላ ወይዘሮ ዘምዘም ዘይር፤ ዝተገበረለይ ሕክምና ደስ ዝብልን ሕማመይ ዘረስዓን 'ዩ ኢለን። እቲ ሆስፒታል ጉድኣት ዋላ እንተበፅሖ ግልጋሎት ምሃብ ምጅማሩ ህይወተይ ክተርፍ ክኢሉ 'ዩ። ሕሙማት 'ውን ድሒኖ ይወፁ ኣለው ኢለን።
ኻሊእ ርእይቶ ወሃቢ ዝኾኑ ኣይተ ኣምዴ ተፈሪ ብወገኖም ከምዝገለፅዎ፤ ሓሚመ ኣይተርፍን እናተብሃልኩ ነይረ ይኹን 'ምበር እዚ ሆስፒታል ስራሕ ብምጅማሩ ትንፋሰይ ንክቅፅል ገይሩኒ 'ዩ። ቅድሚ ሐዚ ሓሚሞም
ዝነበሩ ጎረበተይ ብስእነት ሕክምና ህይወቶም ሓሊፉ 'ዩ ብምባል፤ ናይ ሰባት ህይወት ንምትራፍ እቶም ዝዓነዉ ናይ ሕክማና ትካላት ኣድላይ ናውቲ ተማሊእሎም ብቁልጡፍ ናብ ስራሕ ንክኣትው ድማ ሓቲቶም።
ኣብ ቆቦ ቀዳማይ ብርኪ ሆስፒታል ናይ ክፍሊ ሓደጋ መተሓባበሪ ዝኾኑ ኣይተ ኣዲሱ ጋሻው እቲ ሆስፒታል ብኹናት ምሉእ ብምሉእ ብምዕናው ምኽንያት ግልጋሎት ምሃብ ደው ኣቢሉ ከምዝኸረመን፤ ይኹን 'ምበር ብቁልጡፍ ዓርስና ብምድርጃው ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ውሱን ሓገዝ መድሓኒት ብምርካብና ናብቲ ዝነበሮ ክንምልሶ ጀሚርና ኢና። ብኽፊል'ውን ናይ ሕክምና ግልጋሎት እናሃብና ንርከብ ኢሎም።
ናይ ቆቦ ቀዳማይ ብርኪ ሆስፒታል ሜዲካል ዳይሬክተር ዝኾኑ ዶክተር ሰለሞን ኣረጋ ከምዝበልዎ፤ እቲ ሆስፒታል ልዑል ግልጋሎት ዝህብን ዝተማልኣ ናይ ላብራቶሪ ግልጋሎት ዝህብ ዝነበረ እንትኸውን፤ ይኹን 'ምበር ብዝነበረ ኲናት ናይ ደም መለክዒ መሳርሒ ከይተረፈ ምሉእ ብምሉእ 'ዩ ዓኒው ኢሎም።
ካብ 4 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ግና ህዝቢ ካብ ዝሽገር ብምባል እቲ ሆስፒታል ምስዘለዎ ፀገም ናይ መዋለዲ ግልጋሎት፣ ናይ ኤች ኣይ ኤድስን ቲቢ ሕክምና ግልጋሎታት እናሃበ 'ዩ። ከምኡ'ውን ክትትል ዘድልዮም ናይ ደም ድፊኢት ፣ናይ ሽኳር፣ ኣስምን ናይ ልቢ ድኻምን ዝኣምሰሉ ተሓከምቲ ነተኣናግድ ኣለና ፤ ብሙሉእ ዓቅሙ ግልጋሎት ንክህብ ግና ኩሉ ክረባረብን ሓገዝ ክገብር ይግባእ ኢሎም።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ኣዲስ ኣበባ፡- ህዝቢ ትግራይ ብሽሙ ዝንግዱን ብምኽንያት ኹናት ዝበፅሐ ጉድኣት ከይተሰመዖም ስምምዕነት ሰላም ዝቃዎም ሓይልታት ብግልፂ ከውግዞም ከምዘለዎ ኣካቢ ቤት ምኽሪ ሕብረት ፖለቲካ ፓርቲታት ኢትዮጵያ ዶክተር መብራቱ ኣለሙ ገሊፆም፡፡
ዶክተር መብራቱ ኣለሙ ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ ፣ እቲ ስምምዕነት ሰላም ንህዝቢ ትግራይ ሓዊሱ ኣብቲ ኹናት ከባቢ ዝነበረ ህዝብን ብሓፈሻ ንኢትዮጵያ እፎይታ ዝሃበ 'ዩ፡፡ እዚ ስምምዕነት ሰላም ንህዝቢ ትግራይ ዝሓለዩ ብምምሳል ዝቃዎሙ ሓይልታት ህዝቢ ትግራይ ከውግዞም ይግባእ፡፡
እቲ ስምምዕነት ሰላም ዝቃዎሙ ኣካላት ምርግጋዕ ኢትዮጵያ ፣ ሓድነትን ልምዓትን ዘይደልዩ ታሪኻዊ ፀላእቲ 'ዮም ዝበሉ ዶክተር መብራቱ ፣ እዚም ኣካላት ተግባሮም ብፍፅም ተቐባልነት ዘይብሉን ምስ ኢትዮጵያ ተቓራኒ ጠጠው ዘብሎም ከምዝኾነ ተረዲኦም ካብዚ ተግባሮም ክቑጠቡ ከምዝግባእ ተዛሪቦም፡፡
ናይዚ ሰላም ስምምዕነት ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታት ኣድላይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክበፅሕን ዘላቒ ሰላም ንክሰፍን በሪ ብምኽፋት ህይወት ዜጋታት ብዘላቕነት ንክማሓየሽ
ዘኽእል ከምዝኾነ ፣ ዝተቋረፁን ጉድኣት ዝበፅሖም መሰረተ ልምዓት ናብ ግልጋሎት ንምምለሱ ዝገብር ከምዝኾነ ተዛሪቦም ፡፡
ህዝቢ ትግራይ ብምኽንያት ኹናት ዝበፅሖ ስቃይ ኣብ ግምት ውሽጢ ከየእተዉ እቲ ስምምዕነት ዝቃዎሙ ሓይልታት ከውግዝ ይግባእ፡፡ ቅድሚ ኸዚ ዝተሰርfh ስራሕቲ ህዝቢ ትግራይ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምንፃል ከምዝተገበረ ብምዝካር ፣ እቲ ስምምዕነት ሰላም ኣሳታፊ ብምግባር ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ንክጠናኸር ጉድኣት ስነ ልቦና ዝበፅሖም ኣድላይ ሓገዝ ብምግባር ህዝቢ ንሓድነት ብሓደ ቃል ጠጠው ንክብል ጠንካራ ስራሕ ምስራሕ ከምዝሓትት ዶክተር መብራቱ ወሲኺም ገሊፆም ፡፡
ኹሎም ፖለቲካ ፓርትታት ስምምዕነት ሰላም ኣድላይነት ትኹረት ገይሮም ብምስራሕ ኣመራርሓታትን ኣባላትን ሰብኣዊ ሓገዝን ሃፍትን ኣብ ምስብሳብ ንክሳተፉ ምንቅስቃስ ከምዝተጀመረ ኣረዲኦም፡፡
ሰላም ብምምናይ ጥራይ ዝመፅእ ስለዘይኾነ ነቲ ስምምዕነት ተግባራውነት ኹላትና ግቡእ ኣለና ዝበሉ እቶም ኣካቢ ፣ ናይ ዝሓለፉ እዋናት ቅርሕንቲ ንጎኒ ብምግዳፍ ተቐራሪብካ ብምዝርራብ ንዝተጎድኡ ወገናት ኣድላይ ሓገዛት ምግባር ካብ ሕድ ሕድ ዜጋ ትፅቢት ዝግበር ገዛ ዕዮ 'ዩ ኢሎም፡፡
እቲ ስምምዕነት...
ፃንሒት ከምዝገለፅዎ ፣ ቅድሚ ኸዚ እናራእናዮ ከምዝመፃና ኣብ ዓለም ናይ ሰላም ዝርርብ ዝግበርን ልሙድን ‘ዩ፣ ድሕሪ ዝተፈላለየ ጎንፂ ኣብ ክልተ ወገናት ንሰላም ስምምዕነት ፊርመኦም ዘዕርፍሉ ኣጋጣሚ ብዙሕ ‘ዩ፣ኾይኑ ግና እዚ ኹሉ ከይዲ ምስ ሓለፈ ኣብ መሬት ወሪዱ እንድሕር ዘይተጠቒምናሉ ዝኸሸፈሉ ‘ውን ኣጋጣሚ ስለ ዘሎ ዳግማይ ናብ ኹናት ዝኣተዉሉ ኣብ ዓለም ታሪኽ ርኢና ኢና ኢሎም፡፡
እዚ ድማ ኣባና ከይኸውን ካብቲ ዝሓለፈ ዕንወትን
ህዝቢ ትግራይ ካብ ኹሉ ንላዕሊ ሰላም ደላይ ህዝቢ ‘ዩ፣ ደቁ ናብ ኹናት ካብ ምስዳድ ናብ ትምህርትን ልምዓትን ምልኣኽ ‘ዩ ዝደሊ ዝበሉ ኣይተ ጎይቶኦም፣ ካብ ኹናት ምንም ረብሓ ከምዘይርከብ ይፈልጥ ‘ዩ ስለዚ እዚ ሰላም ናብ ተግባር ንምምፃእ ክደፍእ ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም፡፡ ምንም ይኹን ምንም ቀዳምነት ክዋሃብ ዘለዎ ንድሕንነት ህዝቢ ‘ዩ፣ ምስ ህዝቢ ዘተ ገይርካ ፍታሕ ይርከብ ‘ዩ ስለዚ ህዝቢ ትግራይ እዚ ሰላም ስምምዕነት ናብ ተግባር ንምምፃእ ኣብ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ ብሃቀውታ
እቲ ስምምዕነት ሰላም ሓድሽ ተስፋን ሓጎስን ከም ዝፈጠረሎም ተዓደምቲ በዓል ማርያም ፅዮን ገሊፆም
ምጥፋእ ህይወትን ተማሂሮም ክልቲኦም ኣካላት እቲ ዝተሰማዕማዕሉ ጉዳይ ኣብ ባይታ ኣውሪዶም ንክሰርሕሉ ትፅቢት ይግበር ዝበሉ ኣይተ ጎይተኦም፣ ህዝቢ ‘ውን እዚ ‘ዩ እናተፀበየ ዘሎ ክብሉ ኣብሪሆም፡፡
ዝምልከቶም ኣካላት ድማ ኣብዚ ተሳትፎኦም ክዋፅኡ ኣለዎም ኣቦታት ሃይማኖት ፣ ዓበይቲ ዓድን ዝኣመሰሉን ዓብይ ጎስጓስ ከካይዱ ኣለዎም፣ ጎስጓስ ጥራሕ ‘ውን ኣይኮነን ነዞም ክልቲኦም ኣካላት ንቲ ሰላም ተግባራዊ ንክገብርዎን ፅዕንቶ ክፈጥሩ አለዎም ኢሎም፡፡
ድማ እናተፀበየ ‘ዩ ዘሎ ኢሎም፡፡
ኣብ ፀገም ዘሎ ህዝቢ ናብ ንቡር ናብርኡ ንክምለስ፣ እዚ ንክኾን ድማ ካብ ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ጥራሕ ትፅቢት ዝግበር እንተይኾነስ ካብ ህዝቢ ‘ውን እቲ ዓብይ እጃም ትፅቢት ይግበር ኢሎም፡፡
ህዝቢ ትግራይ እቲ ስምምነት ሰላም ናብ ተግባር ንክሽረፍን ብህፁፅ ክትግበርን ድሌት ከምዘለዎ ኣብ ዝተፈላለዩ መራኸቢ ሓፋሽ እናቐረበ ይገልፅ ከምዝሎ ይፍለጥ፡፡
መኣርግ ገ/ሄር
ኣዲስ ኣበባ፡- እቲ ስምምዕነት ሰላም ሓድሽ ተስፋን ሓጎስን ከም ዝፈጠረሎም ዕዱማት ክብረ በዓል ማርያም ፅዮን ገሊፆም።
ዓመታዊ ክብረ በዓል ማርያም ፅዮን ኣብ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ኣክሱም ፅዮን ብድምቐት ተኸቢሩ። ኣብቲ ክብረ በዓል ናይ ኣክሱም ከምኡ 'ውን ናይ ሰሜናዊ ምዕራብ ሃገረ ስብከትን ጳጳሳትን ብርክት ዝበሉ
ምእመናን ተረኺቦም ኣኽቢሮምዎ።
ተሳተፍቲ እቲ በዓል ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ ብምኽንያት
ኣብዛ ሃገር ዝነበረ ኲናት እቶም ዝሓለፉ ኽብረ በዓላት ከምቲ ናይ ቐደም ህዝበ ክርስትያን ብበዝሒ ተረኺቡ ተዘየኽበሮ ‘ኳ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ሓዱሽ ታሕጓን ተስፋን ዝፈጠረ ‘ዩ ኢሎም፡፡
ኣብ ቐፃሊ ዓመት ካብ ኣርባዕቲኡ ክፋል እዛ ሃገር ዝሳተፉ ኣኽበርቲ በዓልን ከምኡ ‘ውን ዑደት ብዝገብሩ ወፃእተኛታት ተዓጅቡ ክኽበር ‘ዩ ክብሉ ተስፍኦም ገሊፆም ክብል ዝፀብፀበ ኢቢሲ ‘ዩ፡፡
ኣብ ሓፂር ርሕቀትን ናይ ሜዳ ንጥፈታትን ውድድራት
ስፖርት
ወጋሕታ 22 ኅዳር 2015 ዓ.ም 8
ስፖርት ኣትሌቲክስ ጉያ፤ ዝላን ደርባን ዘጠቓልል ስፖርት ምኻኑ ይፍለጥ። ይኹን ‘ምበር ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ጉያ ብፍላይ ከዓ ኣብ ነዊሕን ማእኸላይን ርሕቐት ጥራሕ ዘተኮረ ‘ዩ ነይሩ። እታ ሃገር ንስፖርት ኣድላይ ህያባት ‘ኳ እንተሃለዋ ኾይኑ ግና ብግቡእ እናተጠቀመትሉ ኣይኮነትን።
ኣቀዲማ ዝትፍለጠሉ ውድድር ነዊሕ ርሕቀት ጉያ ብዝተቆራረፀን ከከም ወቅቱ ተተካእቲ ዘይርከብሉ ኩነታት ኮይኑ ይቅፅል ኣሎ። ኣብ ቀረባ ኣብ ኦሊምፒክን ኣብ ናይ ዓለም ቻምፒዮና ውድድራት ናይ ሃገሮም ሽም ብዓወት ከፀውዑ ዝፀንfh ኣትለታት ገፆም ናብ ናይ ጎዳና ጉያ እናገበሩ ከምዘለዉ ግልፂ ‘ዩ። ንመርኣያ ዝኸውን ‘ውን ኣልማዝ አያና፣ ገንዘቤ ዲባባን ለተሰንበት ግደይን ምልዓል ይከኣል ‘ዩ። ብርግፀኝት እዞም ኣትሌታት እታ ሃገር ብዝትፍለጠሉ ውፅኢታዊ ክገብርዋ ይኽእሉ። ይኹን ‘ምበር ኣብዝ ሐዚ እዋን ንዕኦም ዝትክኡ ኣትሌታት ምህላዎም መጠራጠሪ ‘ዩ።
ኣብ መላእ እዛ ሃገር ብዙሕት ማእኸላት መሰልጠንትን ኣካዳሚታትን ከምኡ’ውን ብውልቆም ዝንቀሳቀሱ ኣባፅሕን መናእሰይን ዋላ እንተሃለው
ለውጢ ንምምፃእ ክስራሕ ‘ዩ
እታ ሃገር ካብ ዝትፍለጠሎም ርሕቀታት ብተወሳኺ ተሳትፎ ንምጥንኻር ተባሂሉ እቲ ፌዴሬሽን ብሓፂር ርሕቀት፣ ኣብ ዝላን ደርባን ቻምፒዮና በቢ ዓመቱ ንበይኑ ብስሩዕ ይዳለው ‘ዩ። ኣብዚ ውድድር ብምብራቅ ኣፍሪካን ብደረጃ ኣፍሪካ ኣብ ዝካየዱ ውድድራት ንምስታፍ ድልየት ዋላ እንተሃለወ ንተሳታፊነት ዘብቅዕ ሚኒማ ዘማልእ ግን ከቢድ ኮይኑ ምፅንfh እታ ፕረዝደንት ኣዘካኺረን ‘የን ።
ስለዝኾነ ‘ውን ናይ ውድድራት ዕድላት ብምስፋሕ ናይ ሚኒማ መማልኢ ብምድላው ከምኡ’ውን ሕይሽ ዝበሉ ኣብ ክለባት ዘለው ኣትሌአታት ኣብዞም ውድድራት ንምስታፍ ይሙከር ነይሩ። ኾይኑ ግና ቅድሚ ሐዚ ይግበር ከምዝነበረ ዝሐሹ ኣትሌታት ኣብ ቀጠና ውድድራት ምስታፍ ኣይተኻለን። ምኽንያቱ ድማ እቲ ፌዴሬሽን ናይ ኤሌክትሮኒክስ ሰዓት መቁፀሪ መሳርሒ ኣብ ጥቅሚ ብምውዓሉ ኣፀጋጊዕኻ ኣብ ውድድር ምስታፍ ኣፀጋሚ ስለዝኾነ ‘ዩ።
እዚ ፀገም ንምፍታሕ ‘ውን እቲ ፌዴሬሽን ብዝተፈላየ መንገድታት ክጥቀም ዋላ እንተፀንሐ ሐዚ ግን ከም መፍትሒ ዘቅመጦ ኣብቲ ዓውዲ ዝሐሹ ኣሰልጠንቲ ካብ ወፃኢ ሃገር ‘ውን ብምምፃእ ‘ዩ። ክንዲ ኣውሮፓን ኣሜሪካን እንተዘይኾነ ‘ውን ብኣፍሪካ ልምዲ ዘለዎም ካብ ናይጀርያ፣ ግብጽ፣
ናይ ምትክካእ ነገር ግን ብዝድለይ ልክዕ ኣይኮነን።
እዚ ኩነታት ‘ውን ናይ ስፖርት ቤተሰብ ኣብ ስግኣት ዘውደቀ ጉዳይ ‘ዩ። ብኻሊእ ወገን ድማ ዓለም ትኩረቱ ኣብ ሓፂር ርሕቀትን ናይ ሜዳ ተግባራት ‘ዩ ገይሩ ዘሎ። ብፍላይ ኢትዮጵያ ዝትፍለጠሎም ናይ 5ሽሕን ናይ 10ሽሕን ሜትር ርሕቀታት ካብ ብዙሓት ውድድራት ምስራዞም ነዚ ሓደ መርኣያ ‘ዩ። ብምዃኑ
‘ውን ምስቲ ግዜ ዝጉዓዝ ከምኡ’ውን ካብ ስፖርቲ ተጠቃሚ ንምዃን ኣብዞም ስፖርትታት ኣትኲርካ ምስራሕ ኣድላይ ምዃኑ ሕቶ የብሉን።
ኣብዚ ጉዳይ ካብ ቤት ትምህርትን ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ዘለው ኣሰልጠንቲ ጀሚሩ ክሳብ ዓበይቲ ናይ ስፖርት ሳይንስ ሙሁራት ብፅሒት ኣለዎም። ኣብ ኣትሌታት ምልመላ፣ ናይ ስልጠና ሒደት፣ ኣመጋግባን
ኣብ ውድድር ብዛዕባ ዝኽተልዎም ቴክኒካትን ኣብ ካልኦት ጉዳያትን ብእኹል ፍልጠን ሳይንሳዊ ሜላን እንተዘይተመሪfh ውፂኢታዊ ክኸውን ኣይኽእልን። ምስዚ ተተሓሒዙ ነቲ ስፖርት ዝመርሕ ዘሎ አትሌቲክስ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ብዙሓት ስራሕቲ እናሰርሐ ምፅንfh እተን ፕረዝደንት ሓጋዚት ኮሚሽነር ጀነራል ደራርቱ ቱሉ ይጥቁማ።
ደቡብ አፍሪካን ካልኦት ሃገራት ብምምፃእ ልምዲ ልውውጥ ንክገብሩ ይሙከር ‘ዩ። ዓቅሚ ብዝፈቀዶ ‘ውን ብኣሰልጣኒነት ንምምፅእ ከምዝትተለመ እተን ፕረዝደንት ተዛሪብርን ‘የን።
መኣዲ ጥበብ
ሓፂር ታሪኽ ብሄረሰብ ሰብ ኩናማ
ኣብርሃ ሓጎስ
ኢትዮጵያ ልዕሊ ሰማንያ ብሄርን ብሄረሰባትን ዘሓዘት ኮይና ኩሎም ከዓ ነኒባዕሎም ሰሓቢ ታሪኻት፣ ባህልታት፣ ልምድታን ስነ ጥበባትን ዝወቀበት ሃገር ከምዝኾነት ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ካብዞም ብዙሓት ኣብ ሃገርና ዝርከቡ ሓደ ዝኾነ ብሄረሰብ ኩናማ ሓፂር ታሪኽን መንነትን ንሎሚ ክንሪኢ ኢና።
ብሄረሰብ ኩናማ ሓደ ካብቶም ኣብ ሃገርና ቀዳሞት ነበርቲ ዝኾኑ ዓሌት ዘርኢ ኒላዊ ሰሃራ እንትኾኑ ብኣብዝሐ ኣብ ትግራይ ኣብ ከባቢ ኣድያቦን ቃፍታን፣ ኣብ ኤርትራ ድማ ኣብ ከባቢ ጋሽ ባርካ ኣብ መንጎ ሩባ ጋሽን ሰቲትን ከምኡ’ውን ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ሱዳን ከምዝነብሩ ይፈልጡ። ኣብዝሓ ዝነብሩሉ ከባቢ ብክልቲኡ ኣንፈት ታሕተዋይ ሩባ መረብ ከምዝነበረ ዝእመን ኮይኑ፤ናብቲ ከባቢ ምስ ዝመፅኡ ሓደሽቲ ሰፈርቲ ህዝብታት ኣብ ዘየቍርፅ ጎንፅታት ምኽንያት ቀዋሚ ዝኾነ ሰፈር ከምዘይነበሮምን ኣብ መወዳእታ ግና ኣብዚ ሐዚ ዝንብሩሉ ዘለው ኸባቢ ታሕታይ ኣድያቦ፣ ከባቢ ቃፍታ፣ ወልቃይትን ጋሽ ባርካን ክሰፍሩ ከምዝኸኣሉ ይንግር።
ዓበይቲ ተወለድቲ እዚ ብሄረሰብ ከም ዝብልዎ መበቆል ብሄረሰብ ኩናማ ኣክሱም ከም ዝኾነ ቅድሚ ዓሌታት ኩሽን ሴማውያንን ናብ ቀርኒ ኣፍሪካ ምንባሮም ይገልፁ፡፡ ኩናማ /kunama/ ኣጥቢቅኻ እንትንበብ “kunamaa” ‹‹ዘወር ምበልኩ ምሐሸ›› ዝብል ትርጉም ዝሓዘን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ካብ ፀላኢ ንምኽዋል ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ቦታ ለዉጢ ምኽንያት ብምግባር ከም ዝተሰየመ ይንገር ፡፡
ብሄረሰብ ኩናማ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ 3000 ከባቢ ከም ዝነበረን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ድማ ብንጉስ ባዜን ዝምራሕ ህዝቢ ምንባሩ ካልኣይ መፀዉዒ እቲ ህዝቢ / ባዛዊ/ እናተብሀለ ዘይተሰደደን ናይ መጀመሪያ ሰፋሪ ኢትዮጵያዊ ምኻኑ ኣፈ-ታሪኽ ህዝቢ ኩናማ የቀምጦ፡፡
ብሄረሰብ ኩናማ ናይ ገዛእ ርእሶም ቋንቋ፣ ኣነባብራ፣
ታሪኽ፣ ባህልን ልምድን ከምዘለዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፤ግና እቲ ታሪኾም ከምቲ ዝድለ ብኣግባቡ ኣይተፅሓፈን፤ እቲ ዝበዝሕ ዝፍለጥ ድማ ብኣፋዊ ትውፊት ዝተመሓላለፈ ‘ዩ። ብመሰረት እዚ ኣፋዊ ፀብፃባት ኩናማውያን ኣብ ኣኽሱምን ከባቢኡን ከም ዘላናት ኮይኖም ይነብሩ ከምዝነብሩን፤ንጉስ ባዘንን በዓልቲ ቤቱ ኩናመን ኣኽሱም ኣብ ዝመርfhሉ እዋን ካብ 8 ቅ.ል.ክ. – 9 ዓ.ም.ፈ.፡ ኣብዝሓ መበቆሎም ካብ ንጉስ ባዜን ከም ዝመፁ ብምእማን ብሽም በዓልቲ ቤቱ ኩናሜ ንነብሶም ኩናማ ኢሎም ከምዝፀውዑ’ውን ይዛረቡ። ኮይኑ ግና ንምንታይ ብሽማ ክፅውዑ ከም ዝጀመሩ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን። ኣብ እዋን ንጉስ ባዜንን ኩናመን ኣብ መንጎ ኩናማ ናይ ሓባር መንነት ክቐውም ‘ውን ጀሚሩ።
ብመሰረት ትውፊት እቲ ንጉስ ኣብ ውግእ ምስ ሞተ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ካልኦት ህዝቢ ንብዙሓት ኩናማ ብምቅታል ንኩናማ ካብ ከባቢ ኣክሱም ናብ ሰሜንን ሰሜናዊ ምዕራብን ትግራይ እንትደፍእዎም፤ ገሊኦም ካብ ህዝቢ ኩናማ ድማ ሩባ መረብ ሰጊሮም ናብ ኤርትራ ክስደዱ እንከለዉ ገሊኦም ድማ ኣብ ትግራይ ተሪፎም ይብሉ። ካልኦት ድማ ህዝቢ ኩናማ ናይ ኒሎቲክ ብሄር ብምዃኖም ኣብ ትግራይን ኤርትራን ቅድሚ ምስዳዶምን ምቕማጦምን ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ይነብሩ ከምዝነበሩ ይገልፁ።
በዝሒ ብሄረሰብ ኩናማ ከባቢ 260,200 ዝግመቱ ኮይኖም፤ ዝበዝfh ድማ ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ እንትኾኑ፤ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ከባቢ 2% ይኾኑ። ኣብ 2007 ዓ.ም ኣብ ዝተገበረ ቆፀራ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 4,860ኩናማ ከምዝንበሩን ካብዚኦም ኣስታት 2,976 ኣብ ትግራይ ከምዝንበሩ እንትግለፅ ፣ ብ2017 ብክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብዝተገብረ መፅናዕታዊ ቃለ መሕትት ድማ ኣብ ትግራይ ኣስታት 7,000 ኩናማ ከምዝነበሩን እዚኦም ድማ (3,300 ኣብ ታህታይ ኣድያቦ፣ 3,100 ኣብ ሒለት ኮካ፣ ከምኡ’ውን 600 ኣብ ካልኦት ከተማታት)ከምዝነብሩ እንትግለፅ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ
ትግራይ ከባቢ 10 ሽሕ ኩናማ ከምዘለው ይግመት። ሰፈራታት ኩናማ ተጋሩ ዝበዝfh ኣብ ዓዲ ጎሹ፣
ሕሌትኮካ፣ ኣደባይ፣ ኣደሚቲ፣ መንጠብጠብ፣ ገዛ መቐር፣ ገዛ ኣዱራ፣ ሸራሮ፣ መዳበ፣ ዕርዲ ወያነ፣ ሽመልባ፣ ዋዕላ ንህቢ፣ ባድመ፣ ሊጅ፣ ብያራ እንትኾኑ፤ ገለ ኣባላት ማሕበረሰብ ኩናማ ናብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ከም ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ከምዝተሰደዱ ይፍለጥ።
ብሄረሰብ ኩናማ ዋላ’ኳ ብዛዕብኦም ብዙሕ እንተዘይተፃሕፈ፤ ኾይኑ ግና ብዙሕ ዝንገሩ ታሪኻት፣ ዛንታታት፣ ጠቀምቲ ባህልታትን ልምድን ብፍላይ ከም ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ኣብ ስራሕቲ ሕርሻን ካልኦት ተመሳሳሊ ስራሕትን ዝፍለጡ ‘ዮም። ኩናማ ኩናማ ዝበሃል ቋንቋ ኒሎ-ሰሃራ ዝዛረቡ ኮይኖም፤ናይ ገዛእ
ርእሶም ባህላዊ ሃይማኖት ‘ውን ኣለዎም። ይኹን’ምበር ገሊኦም ናብ ክርስትና ወይ እስልምና ተቐይሮም ‘ዮም።
ሓደ ኩናማ ከም ኣባል ናይቲ ሕብረተሰብ ዝቑፀር ኣደ እቲ ቆልዓ ኩናማ ምስ ዝትኸውን ጥራሕ’ዩ። መብዛሕትኦም ኩናማ ጓሶትን ሓረስቶትን እንትኾኑ፤ ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ኤርትራ ዘሎ መሬት ኩናማ ድማ ልሙዕ ‘ዩ።
ኩናማ ሓደ ካብቶም ውfhዳት ብሄራት ትግራይ እንትኾኑ፤ ተደጋጋሚ ጎንፅታት ኣብ ዝካየደሉ ኣዝዩ ተሃዋሲ ዶባዊ መሬት ብምንባሮም ምኽንያት ድማ ኣብ ልዑል ሓደጋ ምጥፋእ ዝርከቡ ሕብረተሰብ ‘ዮም።
ፍልፍል ካብ መርበብ ሓበሬታት ሓድጊ ቱሪዝምን ዊክፕድያን
ብቤት fhትመት ብርሃንን ሰላምን ተሓቲሙ